ናይ መወዳእታ ኣሃዱታት ኣመሪካን ኔቶን ሎሚ ጠቕሊሎም ካብ ኣፍጋኒስታን ይወጹ ከም ዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።
ምስ ጣሊባንን ኣልቃዒዳን ን 20 ዓመት መመላእታ ክካይድ ኣብ ዝጸንሐ ኲናት፡ ኣፍጋኒስታን፡ ማእከል መዋፈሪ ከም ዝነበረት ዝፍለጥ እዩ። ብመሰረት ፕረሲደንት ጆ ባይደን፡ እዚ ምውጻእ ኣብ 11 መስከረም ምሉእ ብምሉእ ክዛዘም እዩ። ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ዕላማታት ህሉው ሰራዊት ኣመሪካን ኔቶን ክሳብ ዘተ ዝዛዘም ንመዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ምሕላው ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ካብ 2500 ክሳብ 3500 ኣመሪካውያን ወተሃደራት፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ክሳብ ሕጂ ከም ዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ምስቶም ኣብኡ ዘለዉ 7000 ዝኾኑ ሰራዊት ኔቶ ብሓደ ክለቁ ምዃኖም ተሓቢሩ’ሎ። እዚ እናኾነ ዕጡቓት ጣሊባን ኣብ ዝበዝሐ ክፋላት ኣፍጋኒስታን እናተቘጻጸሩ ይመጹ ምህላዎም ይግለጽ ኣሎ።
11 መስከረም፡ ኣልቃዒዳ ኣብ ልዕሊ ዋሺንተንን ኒውዮርክን ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝተኻየደላ መዓልቲ ምዃና ዝፍለጥ እዩ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 3ሽሕ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ሓዊስካ ዝበዝሑ ኣመሪካውያን ምሟቶምን እዚ ድማ ናብ ወራር ኣፍጋኒስታን ምምርሑን ጸብጻባት የመልክቱ።