ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ እቲ ንስልጣን ፕረዚደንት ሶማል፡ መሓመድ ፎርማጆ፡ ንምንዋሕ ዝተወስደ ስጒምቲ፡ ከም ዝዂንኖ ብምግላጽ በዚ ውሳነ ንዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምዝታይ ናብ ሞቓድሾ ፍሉይ ጒጅለ ክልእኽ እየ ኢሉ።
ቆንስል ሰላምን ጸጥታን ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኣብዚ ውሳነ ዝበጽሐ፡ ንሰዓታት ብዕጹው ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ እዩ። እቲ ጒባኤ፡ ትማል ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኲሎም ሰልፊታት ብመሰረት ስምምዕ መስከረም 2020 ብህጹጽ ዘተ ክቕጽሉ” ጻውዒቱ ኣቕሪቡ’ሎ። “እዚ ቅልውላው ኣብ ሶማልን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘይምርግጋእ መታን ከየምጽእ ኲሎም መራሕቲ ፖለቲካ ዝኾነ ግብረመልሲ ካብ ምሃብ ክቚጠቡን ነብሰ ግትኣት ክገብሩን እቲ ቆንስላ ጸዊዑ’ሎ።
ብመሰረት ኣብ መንጐ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልን ዞባውያን መራሕቲን ተቓወምቲ ሰልፊታትን ዝተኸተመ ስምምዕ ናጻን ርትዓዊን ምርጫ ዝካየደሉ መርሓ መንገዲ ከም እተዳለወ ይፍለጥ። ኣብ መስከረም 2020 እተበጽሐ ውዕል፡ ኣብ ሶማል ዘተኣማምን ምርጫ ኣብ ግዜኡ ንኽካየድ እቲ ዝበለጸ ዋሕስ እዩ ድማ ኢሉ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፎርማጆ፡ ስልጣኑ ንዝቕጽላ ክልተ ዓመታት ከናውሕ ምዃኑ ምእዋጁ፡ ካብ ሓያላት ሃገራትን ውድባትን ዓለምና ኲነኔ ከም ዘስዓበሉ ዝዝከር እዩ።
ብዘይካዚ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ጒዳይ ቻድ እውን ዕጹው ዘተ ምክያዱ ተገሊጹ።