ቆንስል ሰላምን ጸጥታን ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ቅልውላው ቻድን ሶማልን ንምፍታሕ፡ ሎሚ ሓሙስ፡ ክእከብ ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኣብታ ኣህጒር ዝኽሰት ቅልውላው፡ ምፍታሕን ምክልኻልን፡ ሓደ ካብ መትከላቱ ብምዃኑ እዩ ነዚ ኣኼባ ጸዊዑ ዘሎ ክትብል፡ ኣፈኛ ኣቦመንበር ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኤባ ካሎንዶ፡ ገሊጻ’ላ።
ኣብ ሃገረ ቻድ፡ ድሕሪ ሞት ፕረዚደንት እድሪስ ደብዒ፡ ወዱ ስልጣን ክርከብ እየ ምባሉን፡ ወተሃደራት እታ ሃገር ምንጻጎምን፡ ዘስዓቦ ቅልውላው ምኽንያት ብምግባርን እዩ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኣጀንዳኡ ክገብሮ ወሲኑ ዘሎ።
ንሰላሳ ዓመታት ንሃገረ ቻድ ዝመርሐ፡ እድሪስ ደብዒ፡ ኣብ መበል 68 ዓመቱ ኣብ ቅድመ ግንባር ብዘጋጠሞ መቑሰልቲ ከም ዝሞተ ጸብጻባት የመልክቱ።
ቻድ፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐሱ ግብረ ሽበራውያን ንምድምሳስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ብምዕራባውያን ከም ዓባይ ስትራቴጂካዊት መሻርኽቲ ከም እትረአ ጸብጻባት የመልክቱ።
እዚ እናኾነ፡ ኣብ ሃገረ ሶማል፡ ብሰንኪ ምንዋሕ ስልጣን፡ ፕረዚደንት መሓመድ ፎርማጆ፡ ዓብዪ ተቓውሞ ተኸሲቱ ከምዘሎን፡ እታ ሃገር፡ ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ተሸሚማ ምህላዋ ይፍለጥ። ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዝርከብዎም ዓበይቲ ሃገራትን ውድባትን ንምንዋሕ ስልጣን፡ ፕረዚደንት መሐመድ ፎርማጆ፡ ዘለወን ተቓውሞ ምግላጸን ይዝከር።
ቆንስል ሰላምን ምርግጋእን ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ንቻርተር እቲ ውድብ ዝጥሕሳ ሃገራት ኣመልኪቱ እገዳታት ከሕልፍ ስልጣን ከም ዘለዎ ይፍለጥ።