ኣብ 11 መስከረም ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ብፍጥነት ይቐርበሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ኣብ ስግር ባሕሪ ዝርከቡ ዕድሜኦም ንምርጫ ዝኣኸለ ሽወደናውያን፡ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣትሒዞም ምምራጽ ምጅማሮም ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። ብገለ መዳዩ ምርጫ ሽወደን ካብ ናይ ካልኦት ሃገራት ዝተፈልየ እዩ። ዝበዝሓ ሃገራት ንጽል ስርዓተ ምርጫ ክህልወን እንከሎ ፡ ሽወደን ግና ኣብ ዙርያ ሰልፊ ዘተኰረ ምርጫ ከም እተዘውትርን፡ ብዙሕ ወረቓቕቲ ከም እትጥቀምን እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ። ኣብ ምርጫ 2018 ጥራይ፡ 673 ሚልዮን ወረቓቒ እኳ እንተ ተሓትመ፡ ካብዚ እቲ 3 ሚልዮን ጥራይ እዩ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ።
“እዚ ክኸውን ዘይግብኦ እዩ ኢልና ኢና ንኣምን፡ ብዓይኒ ጥዕና ኣከባቢ እንተርኢናኣዮ ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን” ክትብል ሓላፊት በዓልመዚ ኮሚተ ምርጫ ከተማ ስቶክሆልም ኢቫ ደበልስ ገሊጻ’ላ።