ጨቓዊት መንካዕ: ልክዕ ከም ዕሸል ሰብ ዝመስል ቋንቋ ከም ዝጥቀማ: ኣብ ሃገረ ኮስታሪካ ኣብ ልዕሊ ሰፈር መንካዕ ምርምር ክገብሩ ዝጸንሑ ተመራመርቲ ገሊጾም።
እተን ጨቓዊት: ሓደ ፍሉይ ድምጺ ዝደጋግማ እኳ እንተኾና: ዝተፈላለየ ስምዒተን ዝገልጽ ረምታ ድምጺ ከም ዘውጽኣ ኣመልኪቶም። እዚ ድማ: መንካዕ ልክዕ ከም ዕሸላት ቆልዑ: ምስ ኣዲአን ዝረዳድኣሉ ድምጺ ክኸውን ከም ዝኽእል እቶም ተመራመርቲ ወሲኾን ኣረዲኦም።
እዘን መንካዕ: ካብ ወጋሕታ ክሳብ ዕራርቦ: ምስ ምቅይያር ስምዒቶም ዝኸይድ ዝተፈላለየ ድምጺታት ከም ዘውጽኡ ተዓዚብና ኣለና ክብል: መራሒ እቲ መጽናዕቲ: ዶ/ር ኣሃና ፈርናንደዝ: ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብ ቤተ መዘክር ባህርያዊ ስነፍልጠት በርሊን ዝመደብሩ: ዶ/ር ኣሃና: ድምጺ ከም መረዳድኢ ዝጥቀሙ ዓሌታት መንካዕ ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ከጽንዕ ጸኒሑ’ሎ።