ኣባላት ኮሚተ ምክልኻል ባይቶ ንኣታሕዛ መንግስታዊ ጸጥታ IT ነቒፎም። ንሳቶም ነዚ ዝነቐፉ ሬድዮ ሽወደን ኣድራሻታት ኢመይል ኣካላት መንግስቲ ክስናዕ ከም ዝኽእልን ናይ ሚኒስተር ምክልኻል ዝመስል ስናዕ መልእኽቲ ኢሜይል ክለኣኽ ከም ዝኽእልን ድሕሪ ምግላጻ እዩ።
ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሓለፈ ወርሓ ታሕሳስ ኣብያተ ጽሕፈታት መንግስቲ ካብ ሰንዓ ናይ ሓሶት ኢ-መይላት ዝከላኸል ውሑስ ኣገባብ ከም ዘይብለን ምቅልዓ ዝዝከር እዩ።
“እዚ ፍጹም ተቐባልነት የብሉን፡ ምኒስትሪ ምክልኻል መጀመርታ ገዛእ ቤቱ ብስርዓት ክክላኸል ከድልዮ እዩ” ክብል ኣባል ክርስትያን ዴሞክራትና ሚክኤል ኦስካርሰን ገሊጹ’ሎ።