ውድብ መሰል ህጻናት ECPAT፥ ጾታዊ ምዝመዛ ዝበጽሖም ቆልዑ ኣመልኪቶም ሓበሬታ ናይ ዝህብዎ ሰባት ኣድራሻ ን ፌይስቡክ
“ሼር” ክገብሮ ምጽንሑ ተገሊጹ። ጋዜጠኛታት ሬድዮ ሽወደን፥ ኮነ ኢሎም ነቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝርከብ ቅጥዒ መቕረቢ
ጥርዓን ብኦንላይን ምስ መልእዎ፥ ስሞም ኢሜይሎምን ቊጽሪ ተሌፎኖምን ኣብ ፌስቡክ ከም እተዘርግሐ ኣጣሊሎም ኣለዉ።
ውድብ መሰል ህጻናት፥ ዓመታዊ ኣሽሓት ንጾታዊ ምዝመዛ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ካልእን ዝምልከቱ ጥርዓናት ከም ዝቕበል
ዝፍለጥ እዩ። እዚ ምትሕልላፍ ዳታ ዝተኸስተ፥ ኣቕረብቲ ጥርዓን ን ኲሎም ኣብ መስርሕ ምምላእ ዘጋጥምዎም “ኩኪስ”
ይቕበሉ ብምህላዎም እዩ ብምባል፥ እቲ ጌጋ ናይቲ ውድብ ከም ዘይኮነ እኳ እንተኸሓደ፥ ነቲ ናይ ፌስቡክ “ትራኪንግ ቱል” ግና
ክዕጾ ጌሩ’ሎ።
ነቲ ዝኣከቦ ዳታ ኣብ እንታይ መዓላ ከም ዘውዕሎ፥ ፌይስቡክ ዛጊት ዝበሎ ነገር የለን።