
a Tesla electric vehicle emblem (AP Photo/Steven Senne) NYBZ405
ክልተ ኣድማ ዝገበሩ መካኒካት ቴስላ ምስ ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኣድማ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ይኽእል ይመስሎም ይብሉ። እቶም ኣድማ ዝገበሩ፡ ንኻልእ ነገራት ሓዊሱ፡ ውልቃዊ ኣቑሑት ካብ ስራሕ ቦታኦም ከውጽኡ ተሓቲቶም፡ እቶም መካኒካት ድማ ስርሖም ክስእኑ ከምዝኽእሉ ይጽበዩ ኣለዉ። ብሰሉስ እቲ ዝዓበየ ማሕበር ሰራሕተኛታት ዴንማርክ 3F ናይ ምትሕግጋዝ ኣድማ ስጉምቲ ምልክታ ሂቡ።