ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ልዝብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ኩባንያ ክፍሊት ክላርና ምስ ማሕበራት መሃንድሳት ሽወደን ብ ዩንዮነን ብዝተገብረ ጻዕሪ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ በጺሑ። በዚ ድማ ሎም ሰሉስ ክጅምር ተሓሲቡ ዝነበረ ኣድማ ተቛሪጹ’ሎ። ካብ ባሕቲ ጥሪ 2024 ጀሚሩ ክላርና ናብ ትካል ኣስራሕቲ BAO ወይ ኣስራሕቲ ፋይናንሳዊ ጽላት ክጽንበርን ምስ ሰለስተ ማሕበራት ብዝገበርኦ ስምምዕ ክሽፈንን እዩ። ካብዚ ስምምዕ ብዙሕ ክረብሑ እዮም ዝብል ግምት ከም ዘለዎ፡ ክላርና ኸኣ ንሞዴል ዕዳጋ ሽወደን ካብ ውሽጢ ኣበርክቶኦ ከዕዝዝ ምዃኑ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ክላርና ባስቲያን ሽማስኮስኪ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣመልኪቱ። እዚ ንዓወት ሞዴል ባህላዊ ዕዳጋ ስራሕ ሽወደን ዝውክል ስምምዕ እዩ ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላ መምህር ታሪኽ ቁጠባ ፕሮፌሰር ኤሜሪቱስ ማትስ ኢሳክሰን ገሊጹ’ሎ።