ኣብ ሽወደን ንዝርከቡ ኣዝማዶም ክበጽሑ ክደልዩ ብዙሓት ዜጋታት ኢራን ቪዛ ይኽልከሉ ምህላዎም ተፈሊጡ። ምኽንያት ናይዚ ክስተት፥ ኣብ ኢራን ብሰንኪ እናተጋደደ ዝመጸ ቊጠባዊን ፖለቲካዊን ቅልውላው፡ ብዙሓት ካብዞም ናብ ሽወደን ኣዝማዶም ክበጽሑ ብምባል ዝመጹ ኢራናውያን፥ ናብ ዓዶም ክምለሱ ስለ ዘይደልዩ እዩ፥ ክብል ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ገሊጹ’ሎ። ኣብ ስቶክሆልም እትቕመጥ ሚድያ ሮስታሚ ቦካር ነፍሰጾር እያ፡ እንተኾነ ግና ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣዲኣ ንዓኣ ንምድጋፍ ክትሕግዝ ክትመጽእ ሓሲባኳ እንተነበረት ፥ ናይ ቪዛ ፍቓድ ከም ዘይተዋህባ ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ።
“ኣብ ሽወደን በይነይ እየ ዝቕመጥ፡ ኣሓት ኮነ የብለይን። ኣደይ ኣብ ሕርሰይ ክትሕግዘኒ እያ ኢለ ብሃንቀውታ እየ ክጽበ ጸኒሐ” ብምባል በቲ ውሳነ ከም ዝጓሃየት ሓቢራ። እንተኾነ ግና ኣደ ሮስታሚ፥ ጒዳይ ጓላ ኣብ ግምት ብምእታዉ ሕቶ ቪዛኣ ዳግመ-ግምት ክግበረሉ ሕቶ ኣቕሪባ’ላ።
ኣብዚ ዓመት፡ 78 ሚእታዊት ካብ ኩሎም ቪዛ ዘመልከቱ ኢራናውያን ኣይፋል ዝብል መልሲ ክወሃቡ እንከለዉ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ኣሃዝ 55 ሚእታዊት እዩ ነይሩ። ኣብ ኢራን ልዑል መጠን ዝቕባበ ዘስዓቦ ዓብዪ ቊጠባዊ ዘይምርግጋእ ተኸሲቱ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ጸብጺባ’ላ።