ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን፡ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ምስ ኣመሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ድሕሪ ዘካየዶ ዘተ፡ ናብ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምላስ ዘሎ መስርሕ ከቀላጥፍ ምዃኑ ቃል ምእታዉ ተገሊጹ።
እዚ ዘተ፡ ነቲ ብዕልዋ መንግስቲ ዝተኣጓጐለ መስርሕ ምስግጋር፡ ንምቕልባስ ዘኽእል መርሓ ዘነጸረ እዩ ኔሩ ዝበለ ድማ ፍሉይ ልኡኽ UN ኣብ ሱዳን፡ ቮልከር ፓርቴስ፡ እዩ።
ኣርባዕተ ሚኒስተራት ናይቲ ሲቪላዊ ምምሕዳር እኳ እንተተፈትሑ ዓብደላ ሓምዶክ ግና ኣብ ናይ ቤት ማሕዩር ምህላዉ ተመልኪቱ።