ንጒዳይ ሰርቢያዊ ተጻዋታይ ቴኒስ ክከታተል ዝጸንሐ ቤት ፍርዲ ኣውስትራልያ፡ ነቲ ቪዛኡ ክሕደግ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ውዱቕ ጌርዎ’ሎ። በዚ ድማ ዳኛ ኣንቶኒ ኬሊ ጃኮቪች ክፍታሕን ወጻኢታቱ ብመንግስቲ ክዕደን ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ’ሎ።
34 ዝዕድሜኡ ሰርቢያዊ ተጻዋታይ ቴኒስ፡ ጃኮቪች፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ ነቲ Australia Open ኣብ ዝባህለ ስሩዕ ውድድር፡ ማዕርጉ ክሕሉ ብምባል ካብ ዱባይ ናብ መልበርን ኣውስትራልያ ኣትዩ። መንግስቲ ኣውስትራልያ ብወገኑ፡ ጃኮቪች፡ ቪዛኡ ክስረዝ ድሕሪ ምውሳኑ ነብሱ ንኽከላኸል እዂል ግዜ ኣይተዋህበን ክብል ተኣሚኑ’ሎ።
ዝሓለፈ ሓሙስ ብመሰረት ኣዋጅ ኢሚሬሽን እታ ሃገር ዓንቀጽ 116 ኣብ ሰዓት 8፥30 በቆጻጽራ እታ ሃገር ጒዳዩ ከቕርብ እኳ ይግባእ እንተነበረ ሓይልታት ሓለዋ ዶብ ካብቲ ሰዓት ኣቐድም ኣቢሎም ውሳነ ብምውሳዶም ክቐርብ ዘይምኽኣሉ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ። እንተኾነ ግና ሚኒስተር ኣሌክስ ሆክ ሕጂ’ውን ቪዛ እዚ ተጻዋታይ ንኽስረዝ ሓድሽ ምኽንያት ሒዙ ክመጽእ ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።