ሃገረ ኣውስትራልያ፡ ነቲ ቅድሚ ክሪስትማስ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ቀይድታት ዕጽዋ ክለዓል ምዃኑ ቃል ኣትያ ብምንባራ፡ ዋላ’ኳ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ ልዑል እንተኾነ፡ ዝነበራ ቀይድታት ዕጽዋ ከም ዝለዓል ገይራ ኣላ። ኣስታት 89% ካብቶም ልዕሊ 16 ዓመት ዝኾኑ ዜጋታት እታ ሃገር፡ ምሉእ እብረ ክታበት ዝወሰዱ ብምዃኖም፡ ዝተወስደ ውሳነ ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ካብ ጽባሕ ረቡዕ ጀሚሩ፡ ምኽዳን ማስክ፡ ዘይተኸትቡ ሰባት ናብ ኣብያተ መግቢ፡ ባራትን ዓበይቲ ኣጋጣሚታት ከይኣትዉ ዝኽልክል ቀይድታት ከምዝለዓሉ ተፈሊጡ ኣሎ።
ዶባት እታ ሃገር፡ ንኹሎም ዝተኸትቡ ወጻእተኛታት ተማሃሮን ፍሉይ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘለዎም ሰባትን ክፉት ከምዝኾነ፡ ኣፍሊጣ።
ሎሚ ሰሉስ፡ ኣብታ ብጻዕቂ ነበርታ እትፍለጥ ኒው ሳውዝ ዌልስ፡ ኣስታት 800 ሰባት፡ ከምዝተለኽፉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ካብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ዝተረኽበ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ፡ እቲ ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ።
ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣብ ሃገረ ኣውስትራልያ፡ 230 ሽሕ ሰባት፡ ብኮቪድ ክልከፉ እንከለዉ፡ 2113 ሰባት ድማ፡ ብሰንኪ እዚ ሕማም ዘስዓቦ ጥዕናዊ ሕልኽላኻት፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈልዩ፡ መዝገባት ኣገልግሎት ጥዕና እታ ሃገር ይገልጹ።