ኣውስትራልያ ኣብ ሰሜን ኮርያ ንዝነበረ ዜጋኣ ክፍታሕ ብምትሕብባራ ንሽወደን ኣመስጊና። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ስኮት ሞሪስ ብሓሙስ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ መንግስቲ ሽወደን ኣውስትራልያዊ ተመሃራይ ኣሌክ ሰግሌይ ካብ ሰሜን ኮርያ ብሰላም ብጥዕናኡ ካብ ማእሰርቲ ሰሜን ኮርያ ክምለስ ብዘርኣየቶ ምትሕግጋዝ ንኢዱ።
እዚ ሓጋዚ በጻሕቲ (ቱርጋይድ) ብምዃን ዘገልግል ዝነበረ ወዲ 29 ዓመት ተመሃራይ ካብ 24 ሰነ ንደሓር ደሃይ ኣጥፊኡ ምጽንሑን ሞሪሰን ኣብ ዋዕላ ሃገራት ጂትዌንቲ ብዛዕባኡ ብምልዓል ክፍታሕ ጻዕሪ ምክያዱን ገሊጹ።
ኣውስትራልያ ምስ ሰሜን ኮርያ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዘለዋ እኳ እንተኾነ ቆንስላዊ ቤትጽሕፈት ስለዘይብላ ብመገዲ ሽወደን ነቲ ጒዳይ ምክያዳ ተፈሊጡ። “ብስም ህዝብን መንግስትን ኣውስትራልታ ንሰብመዚ ሽወደን ኣዝየ እየ ዘመስግን” ድማ ኢሉ’ሎ።