ኣውሮጳዊ መጋባእያ ፍትሒ መሰል ሰራሕተኛ ንምክልኻል ኣብ መዓልቲ ካብን ናብን ስራሕ ዝጠፍእ ግዜ ቀሚሩ ተባሂሉ። እቲ ቤትፍርዲ ቀዋሚ ቤትጽሕፈት ዘይብሎም ሰራሕተኛታት ካብን ናብን ስራሕ ዝገብርዎ ጒዕዞ ተኸፋሊ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ኣለዉ። እዚ ውሳነ ኣብ ምትግባሩ ኣብ ውሽጢ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝርከቡ ስርሓት ክሽፍን እዩ ተባሂሉ ተስፋ ተጌሩሉ’ሎ።
ብመሰረት እቲ ውሳኔ ክኢላታት ኤለትሪክ፥ ሰራሕተኛታት ክንክንን መካኒካትን ነዚ እንተ ዘይተግቢሮም ሕጊ ዕዮ ከም ዝጠሓሱ ጌሮም ከም ዝሕሰቡ ድማ ተመልኪቱ’ሎ። እቲ ቤትፍርዲ ውሳኔኡ ብመሰረት ሕጊ ስራሕ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘወጹ ምዃኖም ብምምልካት፥ ሰራሕተኛታት ካብን ናብን ስርሖም ዝገብርዎ ጒዕዞ ምስ ውሳነ ምስራዝ ቤትጽሕፈት እምበር ካብ ውሳነ እቲ ሰራሕተኛ ዘይመንጨወ እንተኾይኑ በረራ ከም ኣካል ወግዓዊ ሰዓታት ስራሕ ጌሩ ክሓስቦ ምዃኑ ኣመልኪቱ’ሎ።