ኮሚሽነር ስደተኛታትን ጸጥታን ኣውሮጳዊ ሕብረት ዬልቫ ጆሃንሰን ኣውሮጳዊ ሕብረት ካብ ደሴታት ግሪኽ ብወለንታ ናብ ሃገሩ ንዝምለስ ስደተኛ ናይ 2000 ዩሮ ሓገዝ ክህብ ምዃኑ ገሊጹ። ንሳ ኣብ ኣቴንስ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣውሮጳዊ ሕብረት ስደተኛታት ብወለንታ ምምላስ ኣብ ዝብል ጒዳይ ነቶም ጭቕጭቕ ኢሎም ኣብ ደሴታት ግሪኽ ዝነብሩ ስደተኛታት ከዘራርብ ምዃኑን ክሳብ 2000 ዩሮ ንተመለስቲ ክህብ ድሉው ምዃኑ ሓቢራ።
እዚ ዕድል ካብ ዝመጽእ ሚያዝያ ጀሚሩ ከም ዝኽፈትን ብምትሕብባር ሰብመዚ ግሪኽ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኤጀንሲ ውድብ ስደተኛታት እተዳለወ ምዃኑን ድማ ኣመልኪታ። እዚ ዕድል ነቶም ናይ ቊጠባ ስደተኛታት ንምትብባዕን ካብ ደሴታት ግሪኽ ለቒቖም ናብ ሃገሮም ንኽምለሱን ምዃኑ ድማ ሓቢራ። ሎሚ ኣውሮጳዊ ሕብረት ግሪኽ ብመሰረር ኣህጒራዊን ስምምዓትን ኣውሮጳ መሰል ሓተትቲ ዕቚባ ከተኽብርን ጻውዒት ጌሩ’ሎ።