ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ስቶክሆልም ኣኼባ ሚኒስተራት ኣውሮጳዊ-ሕብረትን ፓሲፊክን ተሳሊጡ። ኣብዚ ኣኼባ ን 58 ሃገራት
ዝውክሉ ልኡኻት ዝተረኽቡ ኮይኖም፡ እቲ ኣኼባ ኣብ ጒዳያት ጸጥታ፡ ዲጂታላይዜሽን፡ ከምኡ’ውን ጥዕና ኣከባቢን ዘተኰረ እዩ
ኔሩ። ሽወደን ከም መጠን ፕረሲደንት ቆንስል ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ፕሮግራማ እቱዋት ካብ ዝኾኑ ኣኼባታት ኮይኑ፡ ብዓርቢ
እውን ብዛዕባ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ምስ ቻይና ዝህሉ ዝምድናን ኣኼባ ከም ዝገበረት ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ኣብዚ
ኣኼባ ቻይና ኣይተዓደመትን። ብዘይ ተሳትፎ ቻይና ብዛዕባ ጒዳያት ዞባ ኢንዶ-ቻይና ብኸመይ ክትዛተ ትኽእል ንዝብል ሕቶ
ኣመልኪቱ ዮሴፍ ቦረል ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ኣብዚ ኣኼባ ቻይና ዘይምስታፋ፥ ንቻይና ሽለል ንብላ ኢና ማለት
ኣይኮነን፥ እንተኾነ ግና ብዘይ ቻይና ብዛዕባ ሓባራዊ ረብሓና ክንዝቲ ኣይንኽእልን ኢና ማለት ኣይኮነን” ኢሉ።
"ምትሕብባርና ናይ ጽባሕ ሽግራት ንምፍታሕ ዘተኰረን ንቕድሚት ዝጠመተን ክኸውን ይግባእ። ሓምላይን ቀጻልነት ዘለዎን
ቊጠባ ኣብ ምህላጽ ካብ ኣውሮጳ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና” ክትብል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ኢንዶኔዥና ሬትኖ ማሱዲ ኣብቲ
ኣኼባ መደረ ኣስሚዓ። ንሳ ን ኣገዳስነት ምውሓስ ሰላም ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ቃል “ኣብ ካልእ ዝሑል ኲናት፥ ተዋሳእቲ
ኲናት ውክልና ልዕለ ሓያላን ክንከውን ኣይንደልን ኢና" ኢላ’ላ።