ኣብ ካቦ ዴላሆ ፕሮቪዞ ዘለዉ ሶቪላውያን ንምክልኻልን ጸጥታ ንምስፋንን፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ንሞዛምቢክ ዝገብሮ ወተሃደራዊ ስልጠና ንምቕጻልን ክልተኣዊ ወተሃደራዊ ስርሒት ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እዚ ስርሒት፡ ትማል ሰኑይ፡ ፍቓድ ምርካቡ ዝፍለጥ ኮይኑ ንኽልተ ዓመታት ክጸንሕ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ቅጽበታዊ ግብረመልሲ ዝህብ ሃገራዊ ሓይሊ ሞዛምቢክ ክህበነጽ ምዃኑ፡ ሰራዊት ሞዛምቢክ፡ ጸረ ግብረ ሽበራዊ ወተሃደራዊ ስልጠናን ምክልኻል ሲቪላውያንን ዘጠቓለለ ታዕሊም ክወሃቦም እዩ። እዚ ሓይሊ ብፖርቱጋላዊ ጀነራል ኑኖ ሌሞስ ፓይረስ ክምራሕ እዩ።
ካቦ ዴላጎስ፡ ኣብ ሰሜናዊ ሞዛምቢክ እትርከብ ዝበዝሑ ኣመንቲ ምስልምስ ዝርከቡላ እያ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ምስ ዳዕሽ ርክብ ዘለዎ ጂሃዳዊ ምንቅስቓስ ኣብቲ ቦታ ብዝፈጠሮ ህውከት ዛጊት 700 ሽሕ ነበርቲ ካብ መረበቶም ከም እተፈናቐሉ ጸብጻባት የመልክቱ።