ኣብ ሃገረ ቤላሩስ ንዝተገብረ ምርጫ ተኸቲሉ ኣብታ ሃገር ተላዒሉ ዘሎ ኣብያን ኣድማን ህዝቢ፡ እንዳተላበዐ ብምምጽኡ ዝተጨናነቐ መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ወሪዱ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓል ዘበገሶ ፖለቲካዊ ቅልዉላዉ፡ ንምፍዃስ ብዝብል ካልኣይ ግዜ ምርጫ ክድገም ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ። ይኹን እምበር እቲ መራሕ እታ ሃገር ካብ ስልጣን ይተኣለ ዝብል ሕቶ ህዝቢ እንዳዓበየ ብምኻዱ እቲ ወጥሪ ተጋዲዱ ኣሎ።
ነዚ መሰረት ብምግባር ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንደ ምስ ካልኦት ኤዉሮጳዉያን ብጾታ ብምዃን ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓወምትን እታ ሃገር ሽምግልና ንምፍታን ሕቶ ኣቕሪበን ከምዘሎዋ ተፈሊጡ።