ኣንጻር ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ግብረሽበራውያን ናይ ምዃን ተኽእሎ ዘለዎም ሰባት ጽኑዕ ሕጊ ንኽቐውም ሓላፊ ኤሚግሬሽን፡ ሚካኤል ሪበንቪክ፡ ጸዊዑ። ናይዚ ዘለናዮ ግዜ መምርሒታት ብጣዕሚ ዘጽርፉ እዮም። ነዞም ከምዚ ዓይነት ሰባት ናይ ሓደ ዓመት መንበሪ ፍቓድ ይወሃቦም። ጥዕናዊ ኣገልግሎትን ማሕበራዊ ውሕስነትን ከም ነፍሲ ወከፍ ሰብ መዕረ መሰል ይሕለወሎም ክብል ቅሬታኡ ገሊጹ። ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ሽወደን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 122 ግብረሽበራውያን ናይ ምዃን ተኽእሎ ዘለዎም ሰባት ኣለልዩ። እዚ ቁጽሪ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት እቲ ዝለዓለ ከምዝነበረ ሚካኤል ሪበንቪክ ብተወሳኺ ይገልጽ። እዞም ሰባት’ዚኣቶም ኣብ ሽወደን ንኽሰርሑን ካብ ሽወደን ንኽገሹ ዘኽእል ፍቓድ ውን ዝረኽቡ እዮም።
እዚ ናይ መገሻ ፍቓድ ድማ ምስቲ ብጉዳይ ጸጥታ ኣብ መንጎ ሽወደንን ኤውሮፓን ዘሎ ስምምዕ ዘይሳነን ምዃኑ ብምቕጻል ይሕብር። መንግስቲ ሽወደን፡ ንፍሉይ ረቛሒታት ናይ ግብረሽበራውያን ናይ ምዃን ተኽእሎ ዘለዎም ሰባት፡ ናይ ኲናት ገበነኛታትን ጸጥታዊ ስግኣት ዝፈጥሩ ሰባትን ዝምልከት መጽናዕቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክዛዝም ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ጸብጻብ ብወገን ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ቀሪቡ ከምዘሎን ኣብቲ ዘሎ ሕጊ ለውጢ ንኽግበር ድማ ርእይትኡ ኣቕሪቡ ኣሎ። ገለ ካብቲ ብቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝቐረበ ርእይቶ፡ ነዞም ግብረሽበራውያን ናይ ምዃን ተኽእሎ ዘለዎምን ናይ ኲናት ገበነኛታት ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ሰባትን ናይ ዑቕባ መሰሎም ክንፈግ፡ እንተኾነ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣይግባእን፡ ምኽንያቱ ናይ ሕልፈት ወይ ድማ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ስቓይን ከጋጥሞም ስለዝኽእል ዝብል እዩ።