ኣመሪካ: ንዓንዳሪን ጎነጻዊን ተግባራት ሩስያ ግብረመልሲ ክትህበሉ እያ ክብል ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ: ኣንቶኒ ብሊንከን: ገሊጹ።
ኣመሪካ: ነቲ ኣባል ተቓዋሚ ሰልፊ ሩስያ: ኣለክሲ ናቫልኒ: ዝወርዶ ዘሎ ግፍዒ: ኣብ ምርጫ ዘሎ ምትእትታው መንግስቲ ሩስያን ካልእን ብኣተክሮ ትከታተሎ ምህላዋ ገሊጻ’ላ። “ምርጫና ምስ ሩስያ ርጉእን ንቡርን ርክብ ክህልወና እዩ” ክብል ብሊንከን ኣስሚሩሉ’ሎ። ኣብ ኣኼና ሚኒስተራት ጒዳያት ወጻኢ ሽውዓቲአን ሓያላት ሃገራት (ጂ-ሰቨን) ንምስታፍ ናብ ብሪጣንያ ኣምሪሑ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ንኽልተ መዓልቲ ድሕሪ ዝተኻየደ ኣኼባ ድማ “ሩስያ ብፍላይ ኣብ ዩክሬይን እተካይዶ ጎነጽን መጥቃዕቲ ሳይበርን ዘጠቓልል ዘይሓላፍነታዊን ተግባራት” ከም ዝኾነነ ተፈሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት: ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን: “ሩስያ ከም ድላያ እናዓንደረት ኣመሪካ ኣኣዳዋ ዓጺፋ እትርእየሉ ግዜ ኣብቂዑ እዩ” ክብል ንቪላድሚር ፑቲን ከም ዝነገሮ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ዶናልድ ትራምፕ ንሩስያ ካብ ምንቃፍ ኣዝዩ ዝተቘጠበ ኣካይዳ ይኽተል ምንባሩ እውን ተመልኪቱ። ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብ ሕጊ ዝተመርኰሰ ኣህጒራዊ ስርዓት ኣብ ምስፋን ኣተኲሩ ከም ዝሰርሕ ድሕሪ ምግላጽ ሃገራት ዓለም ቻይና ኣብ ስትራቴጂያዊ ሃብተን ወፍሪ ከይትገብር ተጠንቂቐን ክሕልዋ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ። ኣመሪካ ድሕሪ 20 ዓመታት ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ምስሓብ እኳ እንተሃለወት ኣዒንታ ሕጂ’ውን ካብቲ ዞባ ከም ዘይትኣሊ ገሊጻ’ላ። ጐረባብቲ ኣፍጋኒስታን እታ ሃገር ኣብ ኣዎንታዊ መንገዲ ንኽትኣቱ ግቡእ ጽልዋአን ክጥቀማ ድማ ጻውዒት ኣቕሪባትለን ኣላ።