ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ናብ ሃገራት ኬንያን ናይጀርያን ናይ ኦንላይን ምብጻሕ ብምክያድ ምስ መራሕተን ዘተ ከካይድ ምዃኑ ተገሊጹ። ንሱ ምስ ፕረሲደንት ናይጀርያ፡ መሓመድ ቡሃሪን፡ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ጆፍሪ ኦንያና፡ ኣብ ዝህልዎ ዘተ ብዛዕባ “ክልተኣዊ ዝምድናታቶም፡ ብሓባር ዘገድስዎም ዛዕባታትን ክዝትዩ እዮም ክብል መግለጺ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣመልኪቱ። ናይጀርያ ብሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ዳዕሽ ምዕራብ ኣፍሪቃ፥ ከምኡውን መጠነ ሰፊሕ ምምዝባልን ምጭዋይ ደቀንስትዮን ጸጥታኣ ኣብ ሓደጋ ወዲቕሉ ኣብ ዘሎ እዋን ምብጻሕ ብሊንከን ይፍጸም ምህላዉ ኣገዳሲ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ ገሊጾም ኣለዉ።
ብተመሳሳሊ ምስ ፕረሲደንት ኬንያ፡ ብዛዕባቲ ን57 ዓመታት ዝቐጸለ ዝምድና ክልቲአን ሃገራትን ንግድን ዴሞክራሲን ብዛዕባ ዝምዕብለሉን ኣህጒራዊ ብድሆታት ዝፍትሑሉ ኣገባባትን ክዝትዩ ምዃኖም ተገሊጹ። ኬንያ ኣብዚ እዋን ኣብ ጎረባብታ ኢትዮጵያን ሶማልን ተፈጢሩ ብዘሎ ዕግርግር፡ ጸጥታዊ ኲነታታ ብድሆታት ይገጥሞ ምህላዉ ተገሊጹ’ሎ።
እዚ ሎሚ ዝካየድ ምብጻሕ፡ ብጉዳይ ናይቶም ኣብ ኣህጒር ኣፍሪቃ ዝርከቡ መናእሰይ መራሕቲ ዝምልከት፡ ዘተ ከካይዱ እዮም ተባሂሉ’ሎ።