ጓል ሊቀ ጳጳሳትን ተቓላሳይ ጸረ ኣፓርታይድን፡ ደዝመንድ ቱቱ፡ ኣፍቃሪን ሓቛፊን ኣቦ እዩ ኔሩ ክትብል ጓሉ ገሊጻ።
“ኣቦና ቅድሚ ምሟቱ ኣብ ዝነበረት መዓልቲ፡ ኩላትና ደቁ፡ ኣብ ጎድኑ ኔርና ኢና። ኣቦይ ሞቱ ከም ዝመጸ ተረዲእዎ ኣብ ምሉእ ስነ ኣእምሮኣዊ ምድላው እዩ ኔሩ። ምስ ኣምላኹ ክራኸብ ኣብ ምሉእ ምድላው እዩ ኔሩ። ኣቦይ ብፍቕሪ ዝመልአ ሰብ ስለዝነበረ ሰብ ናይ ምሕቋፍ ባህሪ ኔርዎ። እዚ ክናፍቖ እየ። ሞይቱ ኣብ ዓራይ ተጋዲሙ ምስ ረኣናዮ ንሕና እውን ሓቚፍናዮ። ኣቦይ ፍቕሩ ክሓብእ ዘይክእል ሰብ እዩ ኔሩ፥ ይሓቚፈና ኔሩ፥ ንሕና እውን ሓቚፍናዮ” ኢላ። ዴዝሞንድ ቱቱ፡ ኣብ መበል 90 ዕድሜኡ ብ 26 ታሕሳስ ካብዛ ዓለም ብሞት ከም እተፈልየ ዝዝከር እዩ።