ማሕበራዊ ድሕነት (Försäkringskassan) ዘውጸኦ ሓድሽ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ኣቦታት ናይቶም ሓደስቲ ዝተወልዱ ህጻናት ኣብ ገዛ ዝነውሐ ግዜ ከምዘሕልፉን እንተኾነ እቲ ንወለዲ ምስ ደቆም ንኸሕልፍዎ ዝወሃቦም ግዜ ሓጺርን እኹል ከምዘይኮነን ይንገር። ብገምጋም ኣብ ዓመተ 2016 ወለዲ ምስ ደቆም ዘሕልፍዎ ግዜ ካብቲ ኣብ ዓመተ 2014 ዘሕልፍዎ ዝነበሩ ግዜ ብ 7 መዓልታት ዝበዝሐ ኮይኑ ኣብቲ ግዜ’ቲ ክሳብ ዕድመ ቆልዓ 2 ዓመትን ፈረቓን ዝገብሩ ናይ 79 መዓልታት ፍቓድ ይወሃቦም ነይሩ።
ኒኮላስ ሎፍግሪን፡ ኣፈኛ ኢኮነሚ ስድራ ኣብ ኮርፖረሽን፡ ንሽወደናዊ ትካል ሓበሬታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መሰል ሞግዚንት ውላድ ንኽሊቲኦም ወለዲ ማዕረ ዕድል እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ሓቢሩ። ብላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝተመረቑ ወለዲ ምስ ውላዶም ዝራኸብሉ ግዜ ዝተማዓራረየ ኮይኑ ምስቶም ታሕተዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝተማህሩ ወለዲ፡ ውሑድ እቶት ይኹን ልዑል እቶት ዘለዎም ወለዲ፡ ክወዳደር እንከሎ ዝበዝሐ ግዜ ምስ ደቆም ከም ዘሕልፉ ጸብጻባት ይነግሩ።