ሕጂ ዘሎ ቊጽሪ ህዝቢ ስቶክሆልም 2.4 ሚልዮን ምዃኑን ኣብ ዝመጽእ ዕስራ ዓመት ናብ 3 ሚልዮን ክብ ክብል ምዃኑ ተመልኪቱ። 45 ሚእታዊት ዝኾኑ መበቈሎም ዝበዝሑ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝኾኑ ሰባት ኣብ ምምሕዳሮም ብዘሎ መጠን ወሰኽ ዕጒባት ምዃኖም ክገልጹ እንከለዉ፥ ከምኒ ሉዲንጎ ቲረሶ፥ ቴቢ፥ ኤካሮን ቫክሶልምን ዝበላ ምምሕዳራት ከተማ በቲ ወሰኽ ሕጒሳት ዘይምዃነን ገሊጸን ኣለዋ።
75 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ስቶክሆልም ምስፋሕ መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝድግፉ እውን ገሊጾም ኣለዉ። ጻዕቂ ህዝቢ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ምዝዛም ሚለንዬም ካብ 280 ኣብ ትርብዒት ኪሎሜትር ሎሚ ናብ 360 ክብ ምባሉ እውን ተገሊጹ። እቲ ዳህሳስ ኣብ መንጐ ብዙሕ ጻዕቂ ዘለወንን ዝወሓደ ጻዕቂ ዘለወንን ምምሕዳራር ከተማ ከም ዝዘርዘረ’ውን ተፈሊጡ። በዚ መሰረት ኣብ ስንዱቢበርይ መጠን ጻዕቂ ናብ 5819 ሰባት ኣብ ትርብዒት ኪሎሜትር ክኸውን እንከሎ ኣብ ኖርቴለ ኣብ ኣብ ትርብዒት ኪሎሜትር 31 ጥራይ እዩ።