መንግስቲ ሽወደን ምስ ሰልፍታት ሞደራትናን ሊበራልን ብምስምማዕ፡ ኣብ ጽላት ትምህርቲ ዝውዕል ተወሳኺ ባጀት ከምዝሰልዑ ተፈሊጡ። እዚ 1.6 ቢልዮን ክሮን ዝመጠኑ ባጀት፡ ኣብቲ ናይ ዝቕጽል ዓመት ባጀት ትምህርቲ ዝውሰኽ ኮይኑ፡ ንዝያዳ ሰዓታት ምስትምሃርን ምሕጋዝ ተማሃሮን ዝውዕል እዩ ክብል TT ሓቢሩ።
እቲ ተወሲኹ ዘሎ መጠን ባጀት፡ ንምስትምሃር ዝውዕል እዩ። ንተወሳኺ ሰዓታት ምስትምሃር፡ ንተማሃሮ ምሕጋዝን ንመማህራን ጥጡሕ ናይ ምስትምሃር ሃዋሁ ምፍጣርን ተባሂሉ እቲ ሓደ ቢልዮን ክሮን ክምደብ እንከሎ፡ እቲ ዝተረፈ መጠን ባጀት ድማ ሞያውያን መምህራን ኣብ ምምዕባል ክዋፈር እዩ ክትብል ሓላፊት ሊበራላዊ ሰልፊ፡ ኒያምኮ ሳፖኒ፡ ሎሚ ኣብ ዝገበረቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።
ኣብ ዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት፡ ኣብ ጽላት ምርምር ዝውዕል፡ 13.6 ቢልዮን ክሮን ባጀት ክስላዕ እዩ። ንምህዞ፡ ምርምርን ንወፍሪ ምርምራዊ ትሕተ ቅርጺ ተባሂሉ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት፡ መንግስቲ፡ 3.4 ቢልዮን ክሮን ክምደብ እዩ። ብተወሳኺ፡ ቤት ምኽሪ ምርምር ሽወደን፡ ተወሳኺ ምወላ ክረክብ እዩ ክትብል ሳፖኒ ገሊጻ።