ኣንጀሊና ጆሊ፡ ኣብ ጒዳይ ሓዳር ብራድ ፒት፡ ዳኛ ክቕየር ዝገበረቶ ሕጋዊ ክርክር ከም እተዓወተትሉ ተገሊጹ።
ኣንጀሊና፡ ኣብ 2016፡ ፍትሕ ካብ እትሓትት ንደሓር፡ ቆልዑ ምስ መን ይኺዱ ኣብ ዝብል ኣብ መንጎኣን በዓል ቤታን፡ ፒት፡ ክርክር ከም ዝቐጸለ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት፡ ዳኛ ጆን ኡደርኪርክ፡ ቆልዑ ምስ ብራድ ፒት ክዓብዩ ውሳነ ኣሕሊፉ ኔሩ። እንተኾነ ግና ብመሰረት እቲ ኣንጀሊና፡ እቲ ዳኛ ካብዚ ጒዳይ ንኽእለ ዘእተወቶ ጥርዓን፡ ቤት ፍርዲ ካሊፎርኒያ ነቲ ዳኛ ክእለ ብምውሳኑ ከም እተዓወተት ይግለጽ ኣሎ። እቲ ዳኛ ኣብዚ ጒዳይ ሻርነት ብምርኣዩ ስነምግባር ዳኝነት ምጥሓሱ ኣብ ከቢድ ሕሜታ ወዲቑ ምህላዉ እውን ተመልኪቱ።
ብመሰረት እዚ ውሳነ፡ እዞም ሰብ ሓዳር ነበር፡ ብጉዳይ ሓሙሽተ ደቆም፡ ዘለዎም ክትዕ ከምብሓድሽ ክጅምርዎ እዮም።