ቋንቋ ሽወደን ከም ቋንቋ ኣዲኦም ዘይመልኩ ተመሃሮ ኣብ ሰሙን ሓንቲ ሰዓት ብቋንቋ ኣዲኦም ክመሃሩ ዕድል ከም እተዋህቦም
ተገሊጹ። ኣብ ሽወደን ኣስታት 180,000 ቆልዑ ብውሕዱ ኣብ ሰሙን ንሓደ ሰዓት ብ 100 ዝተፈላለያ ቋንቋታት ከም ዝመሃሩ
ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።
“ሓቂ ንምዝራብ ኣብ ምጅማር እዚ መስርሕ ኢና ዘሎና፡ እንተኾነ ግና ዓብዪ ለውጢ እዩ” ክብል ኣብ ስኬለፍታ ሓላፊ ማእከል
ብዝሒ-ቋንቋታት ኦላ ጁንካ ገሊጹ’ሎ።