ሓደ ናይ ግብጽን-ኣመሪካን ጉጅለ ኣብ ኣቢዶስ ዝተባህለ ግብጻዊ ምድረበዳ ኣርኪዮሎጂ ጥንታዊ መጽሞቒ ቢራ ብኹዕታ ምርካቦም ተገሊጹ። ኣብዚ ጥንታዊ ሰፈራ 40 ዝኾኑ ጥረምረታት ተሓዋዊሶም ዝፈልሑሉን ቢራ ተጸሚቑ ዝዕሸገሎምን ኣሃዱታት ረኺቦም ኣለዉ። እዚ ጥንታዊ መጽሞቕ ቢራ ኣብ ዘመነ ንጉስ ናርመር ዝነበረ ከይኮነ ኣይተርፍን ምባሎም ላዕለዋይ ቈንስል ጥንታዊ ሓድጊታት ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢሩ። ዛጊት ኣብ ዓለም ካብ እተረኽቡ መጽሞቕ ቢራታት እቲ ዝጠንተወ፡ምዃኑ እውን ተመልኪቱ። ንጉስ ናርመር ቅድሚ 5 ሽሕ ዓመት ንጥንታዊት ግብጺ ዝመርሕ ዝነበረን ንላዕለዋይን ታሕተዋይ ግብጺ ኣብ ሓደ ንግስነት ዝጠመረን ንጉስ ምዃኑ ተመራመርቲ ታሪኽ ይሕብሩ።