ቀዳማይ ሚኒስተር ስፔይን፡ ፔድሮ ሳንቼዝ፡ ናብ ስቶክሆልም ወግዓዊ ምብጻሕ ብምክያድ ንተሪር መርገጺ ሎቬን ኣብ ጉዳይ ኤውሮፓዊ ቁጠባዊ ሕውየት ንምልዋጥ ዝምልከት ዘተ ከካይድ እዩ ተባሂሉ። ኤውሮፓዊ ቁጠባዊ ሕውየት፡ ነተን ብቫይረስ ኮሮና ብኸቢድ ዝተሃስያ ሃገራት ዘስዓቦ ቅልውላው ንኽሓልፈኦ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝወጸ እዩ። ኣብ መንጐ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዝህሉ ዝርርብ፡ ብሰንኪ ዝተፈጥሩ ፍልልያት፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ናብ ወሳኒ ምዕራፍ ክሰጋገር እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ናይ ሽወደን ርጉጽ ምንጻግ ናይዚ ጉዳይ ብምርግጋጽ ” ወለዶታት መጻኢ ዝኸፍልዎ ዕዳ ዝኹምር ኣገባብ እዩ” ክብል ገሊጽዎ።
ኤውሮፓዊ ሕብረት ንዝተፈላለያ ሃገራት ንምሕጋዝ ኣብ 30 ዓመታት ዝኽፈል ናይ 500 ቢልዮን ዩሮ ዕዳ ይሓትት ኣሎ። ንሽወደን ትርከበን ካልኦት ካብዚ ሓገዝ ተጠቀምቲ ዘይኮና ሃገራት ዓቢ ጾር ክኾነን እዩ። እቶም ናይ መጻኢ ወለዶ ከፈልቲ ግብሪ ድማ ነቲ ዕዳ ክኸፍልዎ ክግደዱ እዮም ይብል።
ንሱ እዘን ተሃስየን ዘለዋ ሃገራት ኣብ ክንዲ ደሓር ብዕዳ ዝጸዓና፡ ዓቕመን ዝኾነ ውሕድ ዝበለ ልቓሕ ክረኽባ ዝሓሸ እዩ ይብል።
እዚ ንእማመ ዝቐረበ ባጀት ኤውሮፓዊ ቁጠባዊ ሕውየት፡ ከም ሓገዝ ዝቐርብ 560 ቢልዮን ዮሮን ካብ ባጀት ኤውሮፓዊ ሕብረት ድማ ናይ 190 ቢልዮን ዩሮ ሓገዝ ዘጠቓልል እዩ።
ካብዚ ጠቕላላ 750 ቢልዮን እቲ 500 ቢልዮን ነተን ሃገራት ብቐጥታ ብሓገዝ መልክዕ ዝወሃብ ኮይኑ መንግስቲ ሽወደን ኣጥቢቑ ይቃወሞ ምህላዉ ተፈሊጡ።
ሎቬን እዚ ሓገዝ ዘመቓራሓሉ ዘሎ ኣገባብ እውን ኣካል ተቓውሞኡ እዩ። ብዝሒ ህዝቢ፡ መጠን ሃገራዊ ፍርያትን መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ካብ 2015 ክሳብ 2019 ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ስለ ዝኾነ። ንሱ እዚ ምምቕራሕ ለበዳ ኮሮና ኣስዒብዎ ንዘሎ ጽልዋን ሃስያን ብቐንዲ ኣብ ግምት ዘእተወ ጥራይ ምስ ዝኸውን እቲ ተመዲቡ ዘሎ ሓገዝ ናብቲ ዝያዳ ዝድለየሉ ክፋል ከመቓርሖ ዝኽእል በሃላይ እዩ።
ብዘይካዚ 190 ቢልዮን ዩሮ ካብ ውሽጢ ባጀት ኣውሮጳዊ ሕብረት ክምደብ ምዃኑ ሓደጋ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ’ሎ። “ናይ እዋን ሓደጋ ምወላታት ምስ ናይ ነዊሕ እዋን ባጀት ክደባለቑ የብሎምን። እዚ ፕሮግራም ድሕሪ ግዜ ነባሪ ክኸውንን ኣብ ባጀት ዝግበር ርኡይ ወሰኽ፡ ኣብ ክፍሊት ኣባላት ሃገራት ወሰኽ ከስዕብ ይኽእል እዩ” ክብል ድማ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ብዘይካ ሊበራልውያ ሰልፊ፡ ኩሎም ኣባላት ባይቶ ነዚ እማመ መንግስቲ ደገፎም ከም ዝሃቡ ድማ ተፈሊጡ። ኣብ እዋን ክረምቲ፡ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ስምምዕ ንኽበጽሓ ይደፍኣሉ ኣለዋ። ቻንስለር ጀርመን፡ ኣንገላ መርከል፡ ክሳብ ምውዳእ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ሓምለ ስምምዕ ክብጻሕ ድፍኢት ምግባራ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ።
ሉፊን በንጻሩ መራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝግበር ጉባኤ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ደጊሞም ክዝትዩ ከድልዮም እዩ ይብል።