ብሓጺሩ/ሕጽር ዝበለ
መብዛሕትኦም ኣብ ገዛ ዝነብሩ ደቀቕቲ ሓሳኹ ካብ ዓሌት ኣራክኒዳ ኮይኖም ኣብ ዶሮና/ቦኾኽታ ዝበዝሖ ቦታ ይነብሩ። እዞም ሓሳኹ እዚኦም ካብ ቆርበት ናይ ሰብን እንስሳን መግቦም ይምእርሩ። ኣብ ገዛ ዝነብሩ ደቀቕቲ ሓሳኹ ኣብ ኩሉ ገዛውቲ ይርከቡ፡ ወላ ኣብቲ ኣዝዩ ጽሩይ ዝኾነ ገዛ።
ኣብ ከም በዓል ፍርናሽ፡ መተርኣስ፡ ምንጻፍ፡ መጋረጃን ላህላህታ/ ዝዓስዓሰ መንድቕ ይቕመጡ
• ኣብ ራህዲ/ራሕሲ ዘልዎም ቦታታት ንኣብነት መሕጸቢ ሰብነት ውን ይቕመጡ ኢዮም
• እቲ ካብቶም ሓሳኹ ዝወጽእ ቀልቀል ንብዙሓት ሰባት ቁጥዕ የስዕበሎም
• ክትገብሮም ዝግበእ
• መሳኹቲ ኣብ መዓልቲ 2 ግዜ ክንከፍቶም ኣለና
• ክዳውንትና ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ደግ ጸጢሕና ነንቅጾ
• ኣንሶላታት፣ መንጸፍ፡ ልብሲ መተርኣስን ልብሲ ኮቦርታን ብውሑዱ ኣብ 2 ሰሙን ሓደ ግዜ ንሓደ ሰዓት ብ60°C ክንሓጽቦ ኣለና።
• ዝተፈላለዩ ኮቦርታት፣ መተርኣስን ባምቡላታትን ኣብ 6 ሰሙን ንሓደ ሰዓት ብ60°C ንሕጸቦ።
• ካብ ዓራት ኣብ ንትስኣሉ እዋን ብቐጥታት ከነንጽፎ የብላን፡ ንፋስ ከነህርሞ ኣለና
ምኽሪ
ንኣብ ገዛ ዝነብሩ ደቀቕቲ ሓሳኹ ብኸመይ ንከላኸሎም?
ንኣብ ገዛ ዝነብሩ ደቀቕቲ ሓሳኹ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ክንከላኸሎም ንኽእል ኢና። ብፍላይ ከኣ መደቀሲ ክፍልና፡ ምኽንያቱ ኣብኡ ዝበዝሕ ግዜ ስለነሐልፍ።
ምክልኻል ራህዲ/ራሕሲ
ንኣሽቱ መሳኹቲ ብምኽፋት ኮነ ቨንቲላቶር ብምጥቃም፡ ንቐመጠሉ ቤት ብዝተኻእለና መጠን ንጹህ ኣየር ከምዝኣትዎ ክንገብር ኣለና። ከምኡ’ውን ወላ እቲ ዓበይቲ መሳኹቲ ምሉእ ብምሉእ ከፊትና ገዛና ንፋስ ንእትወሉ፣ ንኣብነት 2 ግዜ ኣብ መዓልቲ ንዝትወሰኑ ደቓይቕ። እዚ ክንብል ከለና ንኹሉ ማለት ኢዩ መደቀሲ ከፍሊ፡ ክሽነ ከምኡ’ውን መሕጸቢ-ሰውነት።
• ንግሆ ምስ ተንሳእና ዓራትና ከየንጸፍና ንግደፎ ፡ ሽዕኡ እቲ ኣብኡ ዝጸንሐ ጠሊ ሃፊፉ ክኸይድ ኢዩ።
• ክዳውንትና ኣብ ደገ ጸጢሕና ነንቅጾ፡ ወይ ከኣ ንደገ መውጽኢ ዘለዋ መንቀጺት ንጠቀም።
• ጠሊ ዘለዎ ቁሪ ምስዝህሉ፡ እቲ መውዓሊ ገዛን መደቀሲ ክፍልን ኣብ ግዜ መዓልቲ እንትኣምዊቕናዮ ክከላኸለልና ይኽእለ’ዩ
ካብ ደሮና ነጻ ምግባርን ምሕጻብን
• ኣብ ለማጻት ዝኾኑ ምድሪ-ቤት ዘሎ ጠሊ እለዮ
• ካብ ጡጥ ዝተሰርሑ ምንጻፋት ቀጻሊ ብመምጸዪት ደሮና ከነጽርዮ ኣለና፡ እንተወሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሰሙን
• ዝተፈላለዩ ኮቦርታት፣ መንጸፍ፡ ክዳን መተርኣስን ልብሲ ኮቦርታን ብውሑዱ ሓደ ግዜ ኣብ ክልተ ሰሙን ንሓደ ሰዓት ብ60°C ንሕጸቦ።
• ኣብ ዝተፈላለዩ ኣቑሑ ገዛ ዝርከብ ጠሊ ነጽርዩ። ብዓለባታት ዝተሸፈኑ እቑሑና ሓደ ግዜ ኣብ ወርሒ ብመምጸዪት ደሮና ነጽርዮም
• መገራጃ ብውሑዱ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ንሓጽቦ፡ እቲ ፎደራ ናይ መገራጃ ከኣ ቀጻሊ
• ኣብ መደቀሲ ክፍልና ዝኾነ ኣትክልቲ ኣይንትከል። ኣትክልቲ ቀልጢፎም ኢዮም ዝዱርኑ።
ኣቑሑ ናይ ገዛ ብሓደስቲ ምትካእ
ዝበዝሕ ግዜ እዞም ደቀቕቲ ሓሳኹ ኣብ ነውሒ ዝገበሩ ነገራት ንኣብነት ፍርናሽ፡ ኣቑሑ ናይ ገዛ፣ ምንጻፋት ከምኡ’ውን መገራጃዳት ይቕመጡ። ተመራጺ
• ንምድሪቤት፡ መናድቕ፡ እቑሑ ናይ ገዛ ከምኡ’ውን ዓራውቲ ንጥቀመሎም ነገራት ለማጻት እንተኾኑ ተመራጺ’ዩ ምኽንያቱ ብዙሕ ደሮና ኣይሕዙን’ዮም ከምእ’ውን ከተጽርዮም ዝቐለሉ ኢዮም።
• ዓለባታት፡ ልብሲ ናይ ኮቦርታትን መተርኣሳትን ብ60°C ዝሕጸቡ
• ብታሕቲ ንፋስ ክኣትዎ ዝኽእል ዓራት/ ብርኽ ዝበለ
• ፍርናሽ፡ ዓራትን መተርኣስን ካብ ዝተጸምረ ኣለባ
• ክገጥሙ ዝኽእሉ ከብሒ ናይ ክዳውንቲ፡ ምኽንያቱ ሓሳኹ ንኸይኣትዉ ስልዝከላኸለልና
መዓስ ሓገዝ ንሓትት?
መዓስ ኢና ሓደ ሰብ ቁጥዐ ኣንጻር ኣብ ገዛ ዝቕመጡ ደቀቕቲ ሓሳኹ ምስዘጋጥሞ ሓገዝ ንሓትት?
ቅድሚ ክትከላኸሎም ምፍታን፡ መጀመርያ ምስ ሓኪምካ ቆጸራ ግበር። ሓኪምካ መጀምርያ ቁጥዐ ኣለካ ድዩ ወይስ የብልካን ንምፍላጥ መርመራ ናይ ደም ይገብረልካ። ነዞም ሓሳኹ ንምጥፋእ ብዙሕ ገንዘብ ኢዩ ዝሓትት።
ምንጪ፥ thuisarts.nl . Eritreeërs Gezond