ዜግነት ሽወደን ንምርካብ ክማላእ ዝግባእ ረቛሒታት ከትርሩ ድሌት ከም ዘለዎም፥ መንግስቲን ሰልፊ ዴሞክራትናን ገሊጾም።
ትማል ሰንበት ሚኒስተር ስደተኛታት ማርያ ማልመር ስተንጋድ፥ መራሒት ጒጅለ ሰልፊ ዴሞክራትና ኣብ ባይቶ ሽወደን ምስ ዝኾነት
ሊንዳ ሊንበይ ኣብ ዝሃብኦ ጋዜጣዊ ዋዕላ፥ መንግስቲ ኣብ ሕጊ ዜግነት ብርክት ዝበለ ለውጢታት ንምትእትታው ዘኽእል መርመራ
ክገብር ምዃኑ ገሊጸን ኣለዋ። ብመሰረት እዚ ዝተኣታቶ ሓድሽ ሕጊ፡ ኣብ ከቢድ ገበን ዝዋፈሩ መንእሰያት ዜግነት ክኽልኡ፡ ኣብ
ገለ መዳያት ከኣ ዜግነት ዝሓዙ ሰባት እዚ መሰሎም ክዝረዝ ዘኽእል እዩ።
ኣብ ሽወደን ዜግነት ናብ ኤጀንሲ ስደተኛታት መመልከቲ ብምእታው፥ ቆልዑን መንእሰያትን ድማ ፋይል መሐበሪ ብምእታው
ዜጋታት ከም ዝኾኑ ዝፍለጥ እዩ። ኣብቲ ካልኣይ ደረጃ ናይ ልደትን ካልእን መርመራታት ክካይድ ኣይጸንሐን። ብዘይካዚ መንግስቲን
ሰልፊ ዴሞክራትናን ዝተሓተ ዜግነት ዝሕተተሉ ዕድመ 15 ክኸውን እማመ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
“እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓተ ዕደላ ዜግነት ዘይቅርዑው እዩ፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ክሊ ዕድመ 15-18 ዘሎን ከቢድ ገበን ዝፈጸመን
መንእሰይ፥ ሰብመዚ ገበን ፈጺሙ ድዩ ወይስ ይጥርጠር ድዩ ከየረጋገጹ፡ ወረቐት ብምምላኣ ጥራይ ሽወደናዊ ዜጋ ክኸውን ይኽእል
እዩ። እዚ ፈጺሙ ዘይምኽንያታዊ ኣሰራርሓ ስለ ዝኾነ፥ ደው ከነብሎ ኢና” ክትብል ስተነጋድ ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ’ላ።
እዚ ለውጢ ሕጊ ካብ ምውዳእ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ኣትሒዙ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ክትብል ስተነግራድ ወሲኻ ሓቢራ’ላ።
ሊንበይ ብወገና፥ ብዘይእኹል ምኽንያት ዜግነት ተዋሂቡ ዝነበረ፥ ወይ ድማ ህላዌኡ ንሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ሰብ፥
መሰል ዜግነቱ ኽስረዝ ዘኽእል መርመራ ብሰልፊ ዴሞክራትና ይካየድ ምህላዉ፥ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣመልኪታ።