ክፍሊ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ብቀዳማይ ደርጃ ዝስራዕ በረድ ኣብ መላኣ ሃገር ሎሚ ክህሉ ሙዃኑ ይሕበር። በዚ መሰረት ብምዕራባዊ ክፍሊ ሽወደን ጀሚሩ ናብ ሰሜናዊ ክፋል ዝዝርጋሕ ጻዕቒ ዘለዎ በረድ ከምዝህሉ ይግመት። ኣብ ከባብታት ዳላርና፣ቫርምላንድ፣ገለ ክፋል ያቭለቡሪ፣ ያምትላንድን ቬስተርቦተን ናይ ምንሽርታት ሓደጋ ከስዕብ ስለዝኽእል ነባሪ እዘን ከባቢ ዝያዳ ጥንቓቐ ክብሩ የተሓሳስብ።
ብዝተርፈ ግን ኣብ ከባቢ ስቫላንድ ካብ 10 ስጋብ 20 ሚ.ሜተር ዝዓቀኑ ዝናብ ክህሉን ኣብ ዝተረፈ ክፋል ሽወደን ዝናብ ብ ፎኪስ በረድ ተሰንዩ ክህሉን ኣብ ሰሜናዊ ክፍላ ሽወደን ድማ ዝሑል ኩነታት ኣየር ከምዝህሉ ይሕበረ።