ኣብ ገለ ክፋላት ሽወደን ናይ ስኒ ሕክና ዝገብሩ ተሓከምቲ ነዊሕ መስርዕ ክሕዙ ይግደዱ ምህላዎም ተገሊጹ። ምኽንያት እዚ
ጸገም፥ ሕጽረት ጸጋታት ሕክምና ኣስናን ዘይኮነ ኣብ መንጎ ምምሕዳራት ሸወደን ዘሎ ምቕርሐ ሓካይም እዩ ክትብል ፕረሲደንት
“ማሕበር ህዝባዊ ክንክን ኣስናን” ጉኒላ ስዋንስትሮም ገሊጻ። “ዘይከም ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ፡ ኣብ ሽወደን ሕጽረት ናውቲ
ሕክምና ኣስናን የለን፥ እንተኾነ ግና ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሽወደን ጻዕቂ ሓካይም ክህሉ እንከሎ፥ ኣብ ከም ኖርቦተንን
ቫስተርቦተንን ግና ብዙሕ ሓካይም የብልናን" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
በዚ ድማ ኣብ ገለ ቦታታት፡ ዝሓሽ ጥዕና ኣስናን ዘለዎም ተሓከምቲ ንዓመታት ክጽበዩ ይግበር ምህላዉ ወሲኻ ገሊጻ። ሓጺርን
ቅልል ዝበለን መርመራ ኣስናን ክገብሩ ንዝደልዩ ሰባት እዚ ኲነታት ኣሸጋሪ ኮይኑ’ሎ። እዚ እናኾነ፡ ሕክምና ኣስናን ኣብ ግዜኡ
ዘይምርካብ ጭንቀት ኣስናን (Dental Anxiety) ክፈጥር ከም ዝኽእል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎቶበርግ ፕሮፌሰር ሳይኮሎጂ ኦሎቪዳ
ኣተሓሳሲባ።
ኩሉ ዜጋ ሽወደን ሕክምና ኣስናን ክረክብ ዝያዳ ስራሕ የድሊ’ሎ ዝበለት ጒኒላ፡ ኣብ መንጎ ብሕታውያንን ህዝባውያንን ኣብያተ
ሕክምና ኣስናን ዘሎ ምትሕብባር ክድልድል ተላብያ’ላ።