ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን–ሳፖ–ድርብ ዜግነት ወይ ምስ ካልኦት ሃገራት ርክብ ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ “ጸጥታዊ ኣገዳሰት ዘለዎም”
ስርሓት ክቚጸሩ ምስ ዝደልዩ ዝተናውሐ ፍተሻ ክግበረሎም ከም ዝግባእ ናብ መንግስቲ ኣብ ዘእተዎ እማመ ኣፍሊጡ። ሩስያ፡
ቻይናን ኢራንን ን ጸጥታ ሽወደን ስግኣት ዝኾና ሃገራት እየን ክብል ሳፖ ጠቒስወን ኣሎ።
"ድርብ ዜግነት ይዂን ምስ ካልኦት ሃገራት ርክብ ዘለዎም ዜጋታት ብዝምልከት፡ መስርሕ ጸጥታዊ ፈተሻ ንምስላጥ ንጹር
መምርሒታት ሕጊታትን ከም ዘድሊ ሳፖ ተገንዚቡ’ሎ" ክትብል ኣፈኛ ሳፖ ካሪን ሉዝ ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ።
ኣባል ባይቶ ሰልፊ “ማሕበራዊ ደሞክራሲ” ዝኾነ ኣርዳላን ሸካራቢ፡ እዚ እማመ ኢራናዊ ድርብ ዜግነት ንዘለዎም ሚእቲ ሽሕ
ዝኾኑ ዜጋትት ብኣሉታ ዝጸሉ እዩ ክብል ቅረታኡ ኣስሚዑ’ሎ። ህጻን እናሃለወ ምስ ወለዱ ብ ፖለቲካዊ ምኽንያታት ካብ ኢራን
ናብ ሽወደን ዝኣተወ ሸካራቢ፡ እዚ እማመ ኢራናዊ ድርብ ዜግነት ዘለዎም ሰባት ኣብቶም “ጸጥታዊ ተኣፋፍነት ኣለዎም”
ተባሂሎም ብ ሳፖ ተለለዮም ዘለዉ ስርሓት ከይቊጸሩ ዝገብርን ኣድላዊን እዩ ክብል ብትሪ ነቒፍዎ።
እንተኾነ ግና ኣፈኛ ሳፖ ካሪን ሉዝ፡ እዚ እማመ ን ጸጥታን ሓርነትን ኩሉ ዜጋ ሽወደን ኣገዳሲ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ዝኾነ ኣድልዎ
ከም ዘየርኢ ገሊጻ’ላ።
መንግስቲ ነዚ እማመ ድሕሪ ምርኣይ ግብረመልሱ ክህብ እዩ።