ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዝርከብ ሩባ ተከዘ፡ ዓሰርተታት ሬሳታት ከንጸባልሉ ከም እተራእዩ፡ ነበርቲ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ገሊጾም።
ገለ ካብዞም ሬሳታት፡ በሰላ ጥይት ከም ዘለዎምን ኣእዳዎም ተኣሲሮምን ከም እተረኽቡ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም። ካብ ትግራይ ሃዲሙ ኣብ ሱዳን ተዓቚቡ ዝርከብ ሓደ በዓልሞያ ጥዕና፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ጥራይ 10 ሬሳታት ከም ዝቐበረ ንሮይተርስ ሓቢሩ።
ናይ ትማሊ 7 ሬሳታት ሓዊስካ፡ ካልኦት 28 ሬሳታት ከም እተረኽቡ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ኣጃንስ ፕረስ ብወገኑ፡ ንሰብመዚ ምምሕዳር ከሰላ ብምውካስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ 50 ዝኾኑ ሬሳታት ከም እተረኽቡን እዞም ግዳያት ካብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ፡ ኲናት ከምልጡ ዝፈተኑን ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ እዚ ጒዳይ ምንም ርእይቶ ኣይሃበን።