ኣብ ዴንማርክን ጀርመንን ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንኽፍጽሙ ወጢኖም ብዝብል ካብ ዝተጠርጠሩ ኣባላት መርበብ ግብረ ሽበራ፡ ሓዲኦም፡ ወዲ 45 ዓመት፡ ተቐማጢ ማልመ ከም ዝኾነ ኣብ ጋዜጣ ሴድቨንስካን ዝተሓትመ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ፖሊስ ዴንማርክ ምስ ጀርመን ብምትሕብባር፡ ሓደ ግብረ ሽበራዊ ስርሒት ከይተፈጸመ ብምብርዓን፡ ካብ ምፍንጃር ነተጒቲን ሞትን ከም ዘድሓኑ ኣፍሊጡ። እዚ ጉጅለ፡ ብ 3 ሶርያውያን ኣሕዋት ዝምራሕ 14 ኣባላት ዘለዉዎ ምዃኑ ጋዜጣ ጀርመን ደር ስፒገል እተሓትመ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። እዞም ሶርያውያን ኣሕዋት፡ 33፡ 36 ከምኡውን 40 ዓመት ዝዕድሚኦም ምዃኑ ውን እታ ጋዜጣ ሓቢራ። 13 ካብዚኣቶም ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዴንማርክ እዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም። ሓደ ኸኣ ኣብ ጀርመን እዩ ተታሒዙ። ሰብ መዚ ዴንማርክን ጀርመንን ኣብ ዶብ ክልቲኣተን ሃገራት ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከካየዱ መደብ ከምዝነበሮም ዝብል ጠርጠራ ከም ዝነበሮም ድማ ገሊጾም ኣለዉ።
እዞም ሰባት ናይ ዳዕሽ ባንዴራ ሒዞም እዮም ተረኺቦም። በዚ ድማ ሕሉፋት ኣስላም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምታት ኣሎና ክብል ኣብ ኣገልግሎት ጸጥታ ዴንማርክ ሓላፊ ስርሒታት ዶባት ፍለሚንግ ድራገር ኣፍሊጡ።