ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ደቡባዊ ገማግም ግሪኽ ኣብ ዝጠሓለት ዝጸዓነት ጃልባ፥ 100 ዝኾኑ ቆልዑ ተሳፊሮም ምንባሮም ተፈሊጡ።
እዚ ኣብ ኣውርጳ ዝኸፍአ ምዃኑ ዝንገረሉ ዘሎ ትራጀዲ፥ 78 ስደተኛታት ምሟቶም ድሮ ከም እተረጋገጸ፥ ካልኦት ኣማኢት
ስደተኛታት ግና ደሃዮም ከም ዘይተረኽበ ተገሊጹ። ኣብታ ጃልባ ኣስታት 750 ስደተኛታት ተሳፊሮም ምንባሮም፥ ካብ ደሓንቲ
እተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፥ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ትሽዓተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም፥ ተሌቪዥን ግሪኽ ጸብጺባ’ላ።
ሓለዋ ገማግም ነቲ ሓደጋ ንምውጋድ ቅልጥፍ ኢሎም ክዋስኡ ኔርዎም ብዝብል ነቐፌታ ክወርዶም እንከሎ፥ ንሳቶም ግና ሓገዝ
ክንህበኩም ኢሎም ዘቕረቡሎም ሕቶ በቶም ሰብ ጀላቡ ከም እተነጽገ ገሊጾም ኣለዉ። ዋላኳ ዝድሕኑ ናይ ምርካብ ተስፋ
እናቐሃመ እንተመጸ፥ ኣሃዱ መድሕን ነቲ ባሕሪ ኣብ ምድህሳስ ተዋፊሮም ምህላዎም ተገሊጹ’ሎ።
እታ ጃልባ ካብ ግብጺ ተበጊሳ ናብ ኣንፈት ኣውሮጳ ቅድሚ ምቕንዓ፥ ኣብ ሊብያ ከም ዘዕረፈት፡ ካብኡ ድማ ተወሰኽቲ ናብ
ኢጣልያ ክኸዱ ዝደልዩ ስደተኛታት ምውሳኻ፥ ማዕከናት ዜና ግሪኽ ጸብጺበን ኣለዋ። ቆልዑን ኣዴታቶኦምን ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ
እታ ጃልባ ምንባሮምን፡ “ቊጽሮም ክሳብ 100 ከም ዝበጽሕን” ተፈሊጡ’ሎ።