“በዓልመዚ ምምርማር ሓደጋታት ሽወደን”፥ ካብ ዝመጽእ ግንቦት 2023 ኣትሒዙ ኣብ ዝጠሓለት መርከብ ኤም ኤስ ኤስቶንያ
ተወሳኺ መርመራታት ክገብር ውጥን ከም ዘለዎ ገሊጹ። ጠሊቖም ዝሕምብሱ ክኢላታት (ዳይቨርስ) ከምኡውን ሮቦታውያን
ተሽከርከርቲ ብምጥቃም፥ ገለ ኣብታ መርከብ ዝርከብ ኣገደስቲ ነገራት ክዕቅብ፡ ናብታ ኣብ ባይታ ባሕሪ እትርከብ መርከብ
ብምኻድ ንመርመራ ኣገዳሲ ዝኾነ መርእያ (ሳምፕላት) ክእክቡ እዮም። እዚ መርኣያ፡ ኣብ ገረንገረ እታ መርከብ ከምኡውን
መደየቢ ኣንፊ ዝርከብ፥ ዛጊት እንታይ ምዃኑ ዘይተፈልጠ ጸሊም ድበት ሒዞም ክምለሱ እዮም። እቲ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ
ምጥሓል እዛ መርከብ ዝተዋህበ ዕላዊ ምኽንያት፥ ብርቱዕ ማዕበል ባሕሪ ን ኣንፊ እታ መርከብ ቦርቊቚ ንውሽጢ መርከብ
ብምእታዉ እዩ ዝብል እዩ። እንተኾነ ግና፥ ኣብ 2019 ክልተ ኣዳለውቲ ሰነዳዊ ፊልም፥ ገለ ክፋል እታ መርከብ ከም ዝተነድለ
ብምዕዛቦም፡ እዛ መርከብ ምናልባት ብነታጒ ወይ ምስ ካልእ መርከብ ብምግጭው ጥሒላ ከይኮነት አይትተርፍን እያ ዝብል
መለሳ ምኽንያት ምምዕባሎም ይፍለጥ።
ይዂንምበር፥ ኣብቲ በዓልመዚ ነባር ተመራማሪ ዮርገን ዛካው “ክሳብ ሕጂ፡ ነቲ ኣቐዲምና ካብ 1994-1997 ዝገበርናዮ
መርመራን መደምደምታን ዝጻረር ምንም ዝረኸብናዮ ነገር የለን” ክብል ገሊጹ’ሎ።
መርከብ ኤም ኤስ ኤስቶንያ ኣብ 1994 ብምኽንያት ሕማቕ ኲነታት ኣየር ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ብምጥሓላ፥ 852 ተጓዓዝቲ
ምሟቶም ዝፍለጥ እዩ።