ሓለዋ ጥዕና ሽወደን፡ ህንጻ፡ ትምህርትን ሓበሬታ ቴክኖሎጂን ገለ ካብቶም ብሕጽረት ኪኢላዊ ዓቕሚ ዝሳቐያ ዘለዋ ጨናፍር ምዃነን ይፍለጥ። ነዚ ሃጓፍ ናይ ስራሕ ቦታታት ንምዕባስ ድማ ክኢላዊ ዓቕሚ ክምዕብል ስለዝግበኦ፡ ኣብ ዝቕጽል ጽድያ ትምህርቶም ዘሰላስሉ ሰባት ከድልዩ እዮም ክብል TT ሓቢሩ።
ኣብ ዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት፡ ቤት ጽሕፈት ዕዮ፡ ተጠላብነት ናይዞም ዝስዕቡ ሞያታት ዓቢ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ ኣሎ።
መወልዳን (Midwives)፡ ሲቪል መሃንድሳን (Civil Engineers)፡ ናይ መዋእለ ህጻናት መምህራን (Kindergarten teachers)፡ ነርሳት (Nurses)፡ ሓካይም (Doctors)፡ መምህራን (Teachers)፡ ኣማዕበልቲ ሶፍትዌር (Software amd System developers)፡ ፍሉይ ክኢላ ነርስ (Specialist Nurses)፡ መምህራን ናይ ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት (Special teachers for people with special needs) ተንታኒ ሓበሬታ ተክኖሎጂን ስርዓታትን (Systems and Information Technology analysts) ኣብ ቀዳሞት ዓሰርተ ተሰሪዖም ይርከቡ።