ኣብ ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ብዝሒ ህዝቢ ሽወደን ዋላኳ ብሓደ ሚልዮን ምዕባዩ እንተተገልጸ ገለ ምምሕዳራት ከተማ ግና ብኣንጻሩ ቊጽሪ ህዝበን ናህሪ ዘለዎ ምጒዳል ኣርእዩ ኣሎ ተባሂሉ። ገሊኣተን ክሳብ ዓሰርተ ሚእታዊት ካብ ነበርተን ከም ዝጐደለ እዩ ዝንገር ዘሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት መጠነ ሞት ካብ መጠነ ውልደት በዚሑ ስለ ዝርከብ እዩ ክብሉ ክኢላታት ገምጋሞም ኣቐሚጦም ኣለዉ።፡ ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን ምስ ኤጀንሲ ዜና ቲቲ ብምትሕባብር ኣብ ዘዳለዎ ሓበሬታ ቊጽሪ ህዝቢ 62 ምምሕዳራት ከተማ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓሰርተ ዓመታት (ካብ 31 ታሕሳስ 2009 ክሳብ 1 ሕዳር 2019) ጐዲሉ ኣሎ ኢሉ።
ኣብ ገለ ምምሕዳራት ከተማ እዚ ለውጢ ኣዝዩ ውሑድ ኮይኑ ገሊኣተን ግና ብዓሰርተ ሚእታዊት ጐዲለን ኣለዋ እዩ ተባሂሉ። ከም እዚ ሰሜን ስቶክሆልም፥ ሱንድበሪን ከኣ ኣብ ዝተጠቕሰ ዓመታት ቊጽሪ ህዝበን ብ 38 % ዓብዩ ኣሎ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኦቨርቶርንዮ (Övertorneå) ዝበዝሐ ምጒዳል ህዝብ ዝተራእየ ኮይኑ 12.4% ከም ዝበጽሕን ክሳብ 1,235 ሰባት ምጒዳሎም እውን ተሓቢሩ።
ኣብዚ ቀረባ እውን ገለ ካብ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝጐደለለን ምምሕዳራት ድማ፣
Övertorneå, ካብ 4,920 ናብ 4,308 (-12.4%)
Dorotia, ካብ 2900 ናብ 2549 (12.1%)
Elesele, ካብ 3133 ናብ 2787 (11.0%)
Arjeplow, ካብ 3143 ናብ 2799 (10.9%)
Overkalix ካብ 3,670 ናብ 3311 (−9.8%)
Sorsele, ካብ 2,743 ናብ 2,495 (−9.0%)
Norchu, ካብ 4,361 ናብ 3,995 (8.4%)
Storfors ካብ 4,363 ናብ 4,006 (−8.2%)
Havors ካብ 12636 ናብ 11.613 (8.1)
Ånge ካብ 10 148 ናብ 336 (−8.0%)
Bräcke ካብ 6865 ናብ 6,319 (−8.0%)