ኣብ ዓመተ 2020፡ ልዕሊ 41 ሽሕ ሰባት፡ መምርሒ ፍቓድ ወረቕት ከምተመንጠሉ ካብ በዓል መዚ መጓዓዝያ ሽወደን ዝወጹ ጸብጻባት ሓቢሮም። እዚ ቁጽሪ’ዚ፡ እቲ ዝለዓለ ኣብ ሓደ ዓመት፡ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ይንገር።
ካብቶም ዘጋጠሙ ጥሕሰታት ሕጊ ትራፊክ፡ እቶም 30%፡ ብሰንኪ ናህሪ ዘጋጠሙ ምንባሮም በዓል መዚ መጓዓዝያ ይሕብር።
ፖሊስ ትራፊክ፡ ነቲ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ንቡር ኣገባብ፡ ብዲጂታላዊ ኣገባብ ብምቕያሩ፡ ብዝሒ ጥሰታት ሕጊ ክምዝገቡ ከምዝኸኣሉ ኣብ በዓል መዚ መጓዓዝያ፡ ሓላፊ ክፍሊ ሓበሬታ፡ ሚካኤል ኣንደርሶን፡ ገሊጹ።