ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፥ ልዕሊ 600 ስደተኛታት ን “ኢንግሊሽ ቻነል” ጥሒሶም ናብ መሬት ብሪጣንያ ምእታዎም ተገሊጹ። እዚ ድማ
ኣብ ሓደ መዓልቲ እተመዝገበ ዝዓበየ ጠሓስቲ እዚ ቻነል ኣሃዝ ምዃኑ “ቤት ጽህፈት ዘቤታዊ ጒዳያት” ዓባይ ብሪጣንያ ገሊጹ።
እዞም 616 ስደተኛታት፥ ብ 12 ጀላቡ ጌሮም እዮም ካብ ገማግም ፈረንሳ ተበጊሶም ን ኢንግሊሽ ቻናል ብምጥሓስ ናብ ገማግም
ዓባይ ብሪጣንያ ኣትዮም ዘለዉ።
ኣብዚ ዓመት፥ ካብ ቀንዲ ምድሪ ኣውሮጳ እናተበገሱ ናብ መሬት ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ጠቕላላ ቊጽሪ ስደተኛታት ልዕሊ
8,000 ኮይኑ፡ ካብ ናይ ዓሚ ብ 2,000 ዝውሕድ እዩ። ብጀላቡ ኣቢሎም ናብዚ ቻነል ዝስንጥቑ ስደተኛታት ከም ዝጎድሉ
ንምግባር ዝወጸ ውጥን ጽቡቕ ይሰርሕ ምህላዉን፡ ቊጽሪ ጀላቡ ኸኣ ብርግጽ ምጒዳል ከም ዘርኣየን፥ ቀዳማይ ሚኒስተር
ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ገሊጹ’ሎ። ንሱ ን ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ቊጽሪ እዞም ስደተኛታት ብ ሓደ ሕምሲት ምጒዳሉ፡ ቊጽሪ
ኣልባንያውያን ብፍላይ ብ 90% ከም እተቘርጸ ሓቢሩ’ሎ።