ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ 1555 ስራሕ ደው ናይ ምባል ምልክታ ከምዝተቐበለ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሓቢሩ። እዚ ቁጽሪ’ዚ፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ንደሓር፡ እቲ ዝለዓለ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ብኻልእ ወገን፡ ብዝሒ ናይቶም ካብ ስራሕ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት፡ 465 ሽሕ ብምብጽሑ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት 8.9% በጺሑ።
ጠንቂ ብዝሒ ስራሕ ደው ናይ ምባል ምልክታታት፡ እቲ ብመንግስቲ ዝተበየነ፡ ዝተረረ ሕግታት ኮሮና ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ ክትብል ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ፡ ሓላፊት ክፍሊ ትንተና፡ ኣኒካ ሶንዲን፡ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢራ።