ፖሊስ ሽወደን ኣንጻር ዕዳጋታት ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝገበሮ ናይ ሃድን ስርሒት፡ ንሓደ ኣባል ፖሊስ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ሬድዮ ኢኮት ሎሚ ሓቢሩ።
እቲ ኣባል ፖሊስን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ዕዳጋታት ጾታዊ ርክብ ብመንገዲ ኣብ ኦስተርማልም፡ ማእከል ስቶክሆልም፡ ዝርከብ ናይ መሳጅ ትካሎም ኣቢሎም ይነጥፉ ከምዝነበሩ ዝብል ክሲ ብመንገዲ ኣኽባሪ ሕጊ ቀሪብሎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።
ከምዝፍለጥ፡ ፖሊስ ሽወደን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣንጻር ዕዳጋታት ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝገበሮ ሃድን፡ 28 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ይዝከር። እቲ ዝተታሕዘ ብዝሒ ግን ከም ”ሓንቲ መርፍእ ኣብ ኩምራ ሓሰር” ክብል ፖሊስ ሽወደን ገሊጽዎ ነይሩ። ሽግር ዕዳጋታት ጾታዊ ርክብ ካብዚ ብዕጽፍታታ ከምዝዓቢ ይንገር።
እቲ ብፖሊስ ዝተኻየደ ሃድን፡ ዓቢ ኣቓልቦ ረኺቡ ኣሎ። ሓደ ካብቶም ኣብቲ ስርሒት ዝተታሕዙ ሰባት ዓቢ ኣውፋርን ነጋዳይን ምንባሩን ምስ ተለቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት በቲ ዝገበሮ ስለ ዝተኣመነ ኣብ ስርሑ ከቢድ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣስዒብሉ ኣሎ።
ካብ ነፍሲ ወከፍ 10 ደቂ ተባዕትዮ፡ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ጾታዊ ርክብ ብገንዘብ ከምዝገዝእ ቁጽራዊ ጸብጻባት ፖሊስ ይሕብሩ።
ሕጊ ሽወደን፡ ጸታዊ ርክብ ምግዛእ ድኣ እምበር ጾታዊ ርክብ ምሻጥ ገበን ኣይቆጽሮን። ጾታዊ ርክብ ብገንዘብ ዝገዝእን ንጾታዊ ዕዳጋታት ዘመሓድሩ መርበባትን ብሕጊ ዝሕተቱ ኣካላት እዮም። እተን ንጾታዊ ርክብ ዝጥቀሙለን ደቂ ኣንስትዮ ግን ከም ግዳያት ናይ ዕዳጋታት ጾታዊ ርክብ ይቑጸራ።