ክትባት ዘይወሰዱ ተወለድቲ ዓድ-ጥልያን፡ ናብራ ኣጸጋሚ ኾይኑዎም ይርከብ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ቤት ምግቢታት፣ ትያትራትን ቤተ-መዘክራትን ናይ ክትባት ወረቐት ምስክር ወይ ፓስፖርት (super health pass) ዘይብሉ ሰብ፡ ንኸይኣቱ ዝኽልኽል ሕጊ ተግባራዊ ኾይኑ ኣሎ።
ኣባላት ፖሊስ ጥልያን፡ ብመንገዲ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም ኣቢሎም ብዛዕባ ዝኾነ ይኹን ሰብ ናይ ጥዕንኡ ብዝምልከት እቲ ዝለዓለ ናይ ‘ጥዕና መረጋገጺ ፓስፖርት’ ዝበሃል ከም ዘለዎ ከረጋግጹ እዮም። ዝለዓለ ናይ ጥዕና መረጋገጺ ፖስፖርት ዝበሃል ድማ፡ እቲ ሰብ፡ ጸረ ኮቪድ-19 ዝተኸትበ ወይ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ምንባሩ ዘረጋግጽ ወረቐት ማለት እዩ። ነዞም መረጋገጺ ወረቓቕቲ ዝሓዘ ሰብ ድማ፡ ናብ ኣብያተ መግቢ፡ ሙዚቃዊ ምርኢታት፡ ሲነማታትን ቤተ-መዘክራትን ክኣቱ ክፍቀደሉ እዩ።
ዝተሓተ ናይ ጥዕና መረጋገጺ፡ ማለት፡ መርመራ ድሕሪ ምክያዱ፡ ካብ ኮቪድ ነጻ ዝብል ምስክር ወረቐት ዘለዎ ሰብ ግን፡ ናብዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ክኣቱ ኣይክኽእልን እዩ። ህዝባዊ መጓዓዝያታት ንኽጥቀም ሆቴል ንኽሕዝን ግን ከኽእሎ እዩ።
እዚ ሕጊ’ዚ ክሳብ ጥሪ 15 ከይተጓደለ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።
ብሰኑይ መዓልቲ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ፖሊስ፡ ኣብ ዝተፋላለዩ ህዝቢ ዝጎዓዘሎም ማእከላት ተረኺቦም ፈተሻ ዘካየዱ ኮይኖም፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ካብ መብዛሕትኦም እቶም ተጎዓዝቲ ዝኾነ ይኹን ተቓውሞ ከምዘይገጠሞም ክፍለጥ ተኻኢኩ’ሎ። ከም ጸብጻብ ምክትል ሓለቓ ፖሊስ ሮማ፡ ስቴፋኖ ናፖሊ፡ እንድሕር ኮይኑ፡ ሓደ ወዲ 50 ‘ዝዓመቱ ሰብኣይ፡ ብዘይዝኾነ ዓይነት መሰረታዊ ናይ ጥዕና መረጋገጺ ፓስፖርት ክንቃሳቐስ ስለዝተረኽበ ፍላሚኖ ኣብዝባሃል ቦታ ክወርድ ከሎ 400 ዩሮ ከም ዝቕጻዕ ተገይሩ’ሎ።
ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ዋና መደበር ብዙሕ ቁጽጽር ከምዘይነበረ ተሓቢሩ። ሓንቲ ናይ ባቡር ተጠቃሚት ዝኾነት ቬሮኒካ ቢያንኪ ዝተባህለት ኣብ ሚላን ከተማ ኣብ ዝወረደትሉ እዋን፡ ብዛዕባ ናይ ጥዕና ፓስፖርት ብዝምልከት ዝኾነ ዓይነት ሕቶ ከምዘይተሓተተት ትገልጽ።
ይትረፍ’ዶ ብዛዕባ’ቲ ናይ ጥዕና ፓስፖርት፡ ብዛዕባ ዝቖረጸቶ ትኬት እኳ’ስ ዝጠየቓ ሰብ ከምዘይነበረ እያ ትዛረብ።
ኣብቶም ዝሓለፉ 6 ሳምንታት፡ ቁጽሪ ናይ ሓደሽቲ ሕሙማት ኮቪድ እንዳወሰኸ ከምዝመጸ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ እዚ ዕብየት ዝተመዝገበ ድማ እቲ ኦሚክሮን ዝተሰምየ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ቅድሚ ምምጽኡ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ናይቲ ህዝቢ እቲ 77% ዝኸውን ክትባት ኮቪድ ከምዝወሰደ ጸብጻባት ጥዕና እታ ሃገር ይሕብሩ። ኮይኑ ግና ዕድሜኦም ኣብ ሞንጎ 30ን 50ን ዝርከቡ ሰባት ነቲ ክትባት ናይ ምውሳድ ድልየቶም ትሑት ከምዝኾነ እዩ ዝንገር። እቲ ቐዳማይ ዙር ክትባት ዘይወሰዱ 3.5 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ድማ ገና ብሕጂ ክወስዱ ትጽቢት ይግበር።