ብምኽንያት ምውሳኽ ለበዳ ኮሮና፡ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ ኣውራጃ ስኮናን ኣፕሳላን ጥብቕ ዝበለ መምርሒታት ምውጽኡ ተገሊጹ። ተመሳሳሊ ምጥባቕ ሕጊታት ኣብ ስቶክሆልምን ዮተቦሪን ክትግበር ድማ ሎሚ መዓልቲ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ ክብሉ ጸብጻባት ሬድዮ ሽወደን ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ ኣብ ስኮና፡ ቁጽሪ በቲ ለበዳ እተታሕዙ ሰባት፡ ብዕጽፊ ምዝያዱን ኣብ መላእ እታ ምምሕዳር ድማ ብናህሪ ይላባዕ ኣሎ ክትብል ሓኪም ምክልኻል ለበዳታት፡ ኤቫ ሜላንደር፡ ትማሊ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት እተመዝገበ ቁጽሪ ሕሙማት ኮሮና፡ ብናህሪ ምውሳኹ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ እታ ምምሕዳር፡ ትማሊ ጥራይ፡ 242 ሕሙማት ከምተረኽቡን ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ 21 መዓልታት እንክነጻጸር እንከሎ ኣመና ልዑሊ ናህሪ የርኢ ምህላዉን ድማ ኣስሚሩሉ። ናብ ክፍሊ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክልኻል ዝኣተዉ ቁጽሪ ተሓከምቲ ድማ ብዕጽፊ ወሲኹ’ሎ ተባሂሉ። ብሰኑይ 5 ዝነበረ ቁጽሪ፡ ትማሊናብ 9 ሰባት ምድያቡ ተፈሊጡ።
እቲ በዓል መዚ፡ ሰባት፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ካብ ምጥቃም ክቑጠቡን ከምኡውን ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ከም ቤት ንባብን መኻዚኖታትን ንግዚኡ ክሕረሙ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። ብዘይካዚ ካብ ኣኼባታትን እኩብ ስፖርታዊ ንጥፈታትን ክእለዩ ምኽሩ ኣመሓላሊፉ።
ቦርድ ዳይረክተራት ስኮና፡ ዝእከቡ ሰባት ካብ 50 ከይበዝሑ፡ ኣብ ገሊኡ ባህላዊ ኣጋጣሚታት ከኣ ክሳብ 300 ክበጽሑ ከምዝኽእሉ ወሲኑ ኣሎ። ኣብ ስቶክሆልም እውን ተመሳሳሊ ሕጊ ክመሓላለፍ እዩ ክብል ፕረዚደንት ማሕበር ሓካይም፡ ዮሃን ስሬሩድ፡ ገሊጹ’ሎ።