ኣብ ዓመተ 2021፡ መጠን ክራይ ኣባይቲ፡ ብ2.5% ክውስኽ ተኽእሎታት ከምዘሎ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ወነንቲ ዘይተንቀሳቓሲ ንብረት ንምኽርታት፡ ሃገራዊ ውድብ ወነንቲ ዘይተንቀሳቓሲ ንብረት፡ ብምጥቃስ ገሊጾም።
ነዚ ብዝምልከት፡ ብደረጃ ምምሕዳራት ዘተ ተጀሚሩ’ኳ እንተሃለወ፡ እቲ ዘተ ብደረጃ ሃገር ክቅየር ከምዝኽእል እቶም ወነንቲ ገሊጾም ክብል TT ሓቢሩ።
ኩነታት ክራይ ኣባይቲ ንምውሓስን ተኽእሎታት ምህናጽ ሓደስቲ ዘይተንቀሳቐስቲ ንብረት ንምዕዛዝን፡ መጠን ክራይ ገዛ፡ ምስ ገንዘባዊ ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ከምዝሳነ ክኸውን ከምዝግባእ ውድብ ወነንቲ ዘይተንቀሳቓሲ ንብረት ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ዓመተ 2021፡ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣወንታዊ ገምጋማት ቁጠባዊ ኩነታት ሽወደን ኣብ ግምት ብምእታው፡ መጠን ክራይ ኣባይቲ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ብዝያዳ ክውስኽ ምተኻእለ። እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ዝፈጠሮ ዘይምርግጋእ፡ መጠን ክራይ ኣባይቲ ብውሑድ ዓቐን ክውስኽ ቅቡል እዩ ክብል ክኢላ ስነ-ቁጠባ ናይቲ ውድብ፡ ቶማስ ኢርንሃግን፡ ገሊጹ።