ምስ ዓመተ 2017 ብምውድዳር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስራሕ ናይ ምንዋሕ ሕቶ ብዙሕ ኣብያ ከን ዘየአንገደ ኣሃዛት ኤጀንሲ ማይግሬሽን ሽወደን ኣመልኪቶም። ኣብ 2019 ኣስታት 586 ዝኾኑ ሰባት ናይ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ምንዋሕ ሕቶኦም ከም እተነጽጉ ድማ ኣመልኪቱ። ብመሰረት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን እዚ ኣብ ዝሓለፋ ሾብዓተ ዓመታት እቲ ዝነኣሰ ቊጽሪ እዩ። ካብ 2017 ጀሚሩ ግና እዚ ቊጽሪ እናነከየ ክመጽእ ምጽንሑ እዞም ኣሃዛት ኣመልኪቶም ኣለዉ። ኣብቲ ዓመት 1,878 ናይ ስራሕ መናውሒ ጠለባት ከም እተነጽጉ ይፍለጥ።
ኣብ ሽወደን ናይ ስራሕ ፍቓድ ንምርካብ ገለ ረቛሒታት ከም ዘድሊን ሓደ ካብ ኣገደስቲ ረቛሒታት እዚ ሕቶ ኣስራሓይ ንሰራሕተኛ ደሞዝ፥ ዕረፍቲ፥ ኢንሹራንስን ናይ ስራሕ ውዕልን ዝብሉ መሰላት ክህቦ እዩ።፡ እዞም ኣሃዛት ከም ዘመልክትዎ 59% ካብ ኣብያታት ምንዋሕ ፍቓድ ስራሕ ምኽንያቶም ዋሕዲ ደሞዝ ምንባሩ ተገሊጹ’ሎ። ምስዚ ጒዳይ ዝተሓሓዙ ምኽንያታት ኣብ 2019 ናብ 287 ምጒዳሎምን ናይ 2017 868 ይበጽሕ ምንባሩን ድማ ከም መነጻጽርቲ ቀሪቡ። እዚ ኣሃዝ ነቶም ናይ ይግባይ ጥርዓን ናብ ኤጀንሲ ማይግሬሽን ዘቕረቡ ሰባት ከም ዘይምልከት ድማ ተፈሊጡ’ሎ።