ኣብ ዙርያ ዓለም ካብ ዘለዉ ዴሞክራስያውያን ሃገራት ውልቀ-መለኽቲ እናበዝሑ ምምጽኦም ድሕሪ 2004 ሕጂ ጸብጻቡ ዝፈነወ በርተልስማን ትራንስፎርሜሽን ኢንዴክስ ኣመልኪቱ። ካብተን ዝተመርመራ 137 ኣብ ምምዕባል ዝርከባን ኣብ ስግግር ዘለዋን ሃገራት እተን 67 ጥራይ እየን ሓቀኛ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ክሃንጻ ክኢለን ዘለዋ ዝበለ እቲ ጸብጻብ ቊጽሪ ውልቀመለኽቲ ስርዓታት ናብ 70 ምዕባዩ ወሲኹ ኣረዲኡ።
“ኣብ ናይ 15 ዓመታት ስራሕና ዝመዝገብናዮ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ምስግጋር እዩ ክበሃል ይከኣል እዩ” ክብል ኣብ ፋውንዴሽን በርተልስማን ኣካያዲ ቢቲኣይ ሆክ በርትማን ኣመልኪቱ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣብ ዓለምና ናጻን ርትዓዊን ምርጫታት፡ ርእይቶኻ ናይ ምግላጽን ውድባት ናይ ምቛም ከምኡውን ምፍልላይ ስልጣን እናተባሕጐጐ ብምምጽኡ እዩ ተባሂሉ’ሎ።